ንጽልዋ ዘረባታት ፅልኣት ክንቃላዕ ዝገብሩና ጉዳያት ብኸመይ ንፈልጦም?
03 መስከረም 2017 ዓ.ም
በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ፀብፃብ ዘረባ ፅልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኵለ መዳያዊ ድሕነትን ሰላምን ዜጋታትን ሃገርን ኣብ ዘናግዕ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ሓሙሽተ ማዕከናት ማሕበራዊ ሚዲያ (ማለት’ውን ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ዩትዩብ፣ ትዊተርን ቲክቶክን) ንሓደ ዓመት ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ሰፊሕ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባ ፅልኣትን ምህላው ተዓዚቡ።
እዚ ሕዚ’ውን ምንካይ ከም ዘየርኣየ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ይግለፅ ኣሎ። ሰባት ሓሳቦም ብናጽነት ዝገልጽሉ ባይታ ክረኽቡ ግድን እዩ።
ብኣንጻሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እንዕዘቦም ኣብ ዲጂታላዊ መተግበሪታት ዝፍጸሙ ፖለቲካ፣ ብሄር ወይ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዝርርባትን ብፅሑፍ ዝመሓላለፉ መልእኽቲታትን ግን ውልቃዊ ክብሪ ከምኡ’ውን መንነት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዝዳፍኡ መልእኽቲታት ይሓልፉ’ዮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ንዘሎ ምስፋሕ ዝርግሐ ኣገልግሎት ቴሌኮምን ኢንተርነትን ስዒቡ ብዝሒ ኢንተርነት ዝጥቀሙ ሰባት ይዓብ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ተጠቀምቲ ዲጂታላዊ መተግበሪታት ክኾኑ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ።
እዚ ሰባት ዘይተገደበ ሓበሬታ ዝረኽብሉ ዕድላት የዕቢ’ኳ እንተሃለወ ጎና ጎኒ በዞም ዲጂታላዊ መድረኻት ዝዝርጋሕ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዕባይ ዘረባ ፅልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን የስዕብ ከም ዘሎ ምግንዛብ ይክኣል።
ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ዘረባ ፅልኣት ብዘረባ ፅሑፍ ወይ ዝግለፅ ኮይኑ ሰባት ብዓሌቶም፣ ዜግነቶም፣ ሃይማኖቶም፣ ፆታዎምን ዝመፅኡሉ ከባቢ ወይ ድሕረ ባይታን ዘነፃፀረ መጥቃዕቲታት ክፍፀም ምግባር፣ ምቁንፃብ ወይ ዘነኣእሱ ተግባራት ምፍፃም ማለት’ዩ።
ንተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ተቓላዒ ዝኾነ ጉጅለ ፅልኣት ንክፍጠር ኮነ ተባሂሉ ዝፍፀም ጎስጓስ እንተኾይኑ ከም ዘረባ ጽልኣት እዩ ዝውሰድ።
እዚ ካብ ብዘረባን ብፅሑፍን ብዝሰገረ ብስእሊታት፣ ካርቱናት፣ ሚም ወይ ካልኦት ምልክታት ብምጥቃም ብኦንላይንን ካብ ኦንላይን ወፃኢ ብዝኾኑ መገዲታትን ክፍፀም ይኽእል።
ትሕዝቶ ዘረባ ፅልኣት ብቐሊሉ ሰባት ናብ ካልኦት ከባጽሑዎ ምስ ዝኽእሉ ግጉይ ሓበሬታ ምስ ምውሳኹ ተኣሳሲሩ ክዓቢ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ሽምካን ምስልኻን ሓቢእኻ ክፍፀም ከም ዝርአይ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክኢላታት ድሕነት ኢንተርነትን ይገልፁ።
መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ዘይድግፉዎ ዝመስል ኣካል ዘቕንዐ ሰፊሕ መጥቃዕትን ጸለመን ክኸፍቱ ይስትውዓል’ዩ።
ኣብ ባይታ ዘለው ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት ኣብ ኦንላይን ንዝፍጸም ዘረባ ጽልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣበርክቶ ኣለዎም።
እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ርግኣትን ማሕበራዊ ስምረትን እታ ሃገር ኣሉታዊ ተራ እዩ ዝህልዎ።
ብተወሳኺ ሰባት ብውልቀሰብ ደረጃ’ውን ስግኣት ድሕነት ክሓድሮምን ንጭንቀት ክቃልዑን ምኽንያት ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ዝነዓቕ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ብኣ.ኤ 2020 ዓ.ም ዘረባ ጽልኣትን ግጉይ ሓበሬታን ንምክልኻል ኣብ ዘውጽኣቶ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፍቲ ዝግድብ እዩ ነቐፌታ’ኳ ዝቐርበሉ እንተኾነ ብብሮድካት፡ ነቲ ዝተወዝዐ ዘረባ ጽልኣት ስዒቡ ናዕቢ እንተተላዒሉ እቲ መቕጻዕቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ክበጽሕ ይኽእል ይብል።
እዚ ብማሕበራዊ ሚዲያ ከምኡ’ውን ሕትመትን ብሮድካስትን ዘጠቓልል ከም ዝኾነ’ውን ይጠቅስ።
እቲ ዘረባ ጽልኣት ወይ ግጉይ ሓበሬታ ብልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ አካውንት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈፀመ እንተኾይኑ (ራድዮን ሕትመትን’ውን ይሓውስ) እቲ መቕጻዕቲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ከምኡ’ውን 100 ሽሕ ብር ክበፅሕ ከም ዝኽእል’ውን ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሩ ይርከብ።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዝኾኑ ኣጋጣሚታት ዝግበሩ ዝርርባትን ክትዓትን ንክብሪ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ማሕበረሰብ ብዘይዳፋእን ናብ መጥቃዕቲ ብዘየቃልዕን ኣገባብ ዝፍፀሙ ክኾኑ ይግባእ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::