ሓደ ሓቃዊ ሓበሬታ ብኸመይ’ዩ ዝዛባዕ?

ታሕሳስ 24፣  2016 .

ዓበይቲ ዜናታት ወይ ሓበሬታታት — ለበዳ ሕማማት፣ ፖለቲካዊ ውሳነታት ወይ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት — ክስምዑ እንከለው ሰባት ብብዝሒ ናብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚዲያን እዮም ዝኸዱ።

እዚኦም፡ ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ዝሰምዑዎ ነገር ንኻልኦት ንምክፋል ክውሕዙ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ዓበይቲ ዜናታት ብምክፋል ዝስዕቡዎም ጸለውቲ ብዛዕባ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ እንታይ ይብሉ ኣለው ዝብል ንምክትታል ክመጽኡ ይኽእሉ።

ኣብ ሞንጐ ዝኽሰት ዘሎ ሓደ ዓብዪ ክፍተት ምንጪ እቲ ዜና ዘይምድጋግን ዝተማልአ ሓበሬታ ከይሓዝካ ነቲ ብቅዳሕ ምስሊታት (screenshot) ከምኡ’ውን ቁንጹል ጽሑፋት ዝሓልፉ ሓበሬታታት ምብዝሖም እዩ።

በዚ መገዲ፡ ሓደ ሓበሬታ ካብ ቁጽጽር መበቈላዊ ምንጩ እናርሓቐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ናይ ምዝባዕ ዕድሉ ዝለዓለ ከም ዝኸውን ዝተፈላለዩ መጽናዕታት የመልክቱ።

እዚ ድማ፡ ሰባት ብናይ ባዕሎም መገዲ ሓቅታት ክመርጹ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጕም ከቕርቡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣሉታዊ ዝዀነ ድምዳመ ምሃብ ስለ ዘዘውትሩ፡ ሓደ ሓበሬታ ተጸᎁቑ ዳግማይ ክዝንቶ እንከሎ ምዝባዕ ሓበሬታ ከም ዝፍጠር ኣብ 2021 ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫኒያ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።

ሙሁራት፡ ነቲ ሕጂ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንሪኦ ዘለና ዝርግሐ ሓበሬታታት ድማ፡ በቲ “ቴሌፎን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸወታ ቈልዑ (ሓደ ሰብ ኣብ እዝንኻ ሕሹኽ ዝበለካ ነገር ናብ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ብሕምሕሹኽሻኽ እተመሓላልፈሉ) እዮም ዝምስሉዎ።

ተኸተልቲ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኣብ ክንዲ ናብ መበቈል እቲ ሓበሬታ ከይዶም ሙሉእ ትሕዝቶ ዘንብቡ፡ በቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ቁንጹል ሓበሬታን ድምዳመን እቲ ዝስዕቡዎ ሰብ ዝግንሑ ምዃኖም፡ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ዘሰክፍ ይኸውን ከም ዘሎ እዩ ዝእመን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ካብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወገን ከምኡ’ውን ራብዓይ ወገን እንከይተረፈ ዝመጽኡ ሓበሬታታት እቲ መበቈላዊ ምንጪታት ምጥቃም ከም ዘዘውትሩ ይግለጽ።

ንኣብነት ሓደ ኣብ ርጡብ ማዕከን ዜና ዝወጽአ ሓበሬታ መከላኸሊ መገዲታት ወይ ክታበታት ኮቪድ-19 እንተሃልዩ፡ ሰባት ነቲ እቲ ሓበሬታ ዝተሓትመሉ ድረገጽ ዘይኰነ ዝውከሱ፡ ካልኦት መሓዙቶም ብዛዕብኡ እንታይ ይብሉ ኣለው፣ ከመይ ተረዲኦምዎ፣ ይቕበሉዎ’ዶ ይነጽጉዎ፡ ዝብል ርኢይቶታት እዮም ዘቐድሙን መወከሲኦም ዝገብሩን።

በዚ ምኽንያት’ዩ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ዝርአ ዘሎ ምዝባዕ ሓበሬታ ዝኽሰትን ዝውስኽን ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ዓበይቲ ብመንግስትን ውልቀሰባትን ዝምወሉ መራኸብቲ ብዙሃን ኣካል ዝርግሐ ግጉይን ዝንቡዕን ሓበሬታ ክዀኑ ምዕዛብ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣብ ዙርያ ምርጫ ኣሜሪካ (ጥቅምቲ 2020) ብቐንዱ ግጉይ ሓበሬታ ዝዝርግሓ ዝነበራ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝዀና ይግለጽ።

ሓሙሽተ ሽሕ ዛንታታት ሚድያ፡ 5 ሚልዮን ትዊታትን 75.000 ጽሑፋት ፌስቡክን ብምትንታን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ማእከል በርክማን ክላይን፡ ውሑዳት ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካን ፖለቲካዊ ኤሊታትን ቀንዲ ኣመሓላለፍቲ ናይቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣንጻር ብፖስታ ዝወሃብ ድምጺ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዃኖም ደምዲሙ’ዩ።

ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ምናልባት ወትሩ ሓበሬታታት ኣጋኒኖም፡ ኣጋጊዮም፡ ሓሓሊፉ’ውን ሓስዮም ዘቕርቡ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ሓሶትን ምዝባዕ ሓበሬታን ኣብ ስትራቴጂ ገለ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ዝወሰኸ ይመስል።

ፖለቲከኛታት ቅኑዕ ሓበሬታ ከቕርባ ንዝኽእላ መራኸቢ ብዙሃንን ኣጻረይቲ ሓቅን ሓሊፎም ብቐጥታ ግጉይ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ናይ ምዝርጋሕ ዕድሎም ምስ ምብራኽ ማሕበራዊ መራኸቢታት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት ንምስጓም ወይ ከስቢታት ንምርካብ ዝግበር ዝተዋደደ ወፍሪ ድማ፡ ዓብዪ ጠንቂ ዝርግሐ ዝንቡዕ ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዃን ሰባት ትኽክለኛ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድሎም ክጸብብ ምኽንያት ይኸውን ምህላው ንዕዘብ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::