ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ክትገብሩዎም ዝግባእ ጥንቃቐታት
19 ሕዳር፣ 2017 ዓ.ም
ሰባት ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ከም ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታን ፍልጠትን ገይሮም ይወስዱዎ ከም ዘለው ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ድማ ኣብዞም መድረኻት ትኽክለኛ ወይ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ንዕዘብ።
ብፍላይ ኣካታዕቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ክህልው ከለው ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ሓቃውነትን ሚዛናውነት ዝጎደሎ መልክዕ ሒዞም ክቐርቡ ይልመድ ኣሎ።
ኣብዚ ዝርግሐ ሓበሬታ ዝበዝሓሉ ዘመን ድማ ትኽክለኛን ሓቃውን ሓበሬታ ካብ ግጉይ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኽውን ይስትውዓል።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኲናትን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ጸገማትን ዝፈጠሩዎም ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘይቅኑዕ ኣቀራርባ ሓበሬታ ክህሉ ምኽንያት ይኾኑ ኣለው።
መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ህፁፅን ግልፅን ሓበሬታ ንህዝቢ ዘየቕርባ ምዃነን ዝፈጠሮ ክፍተት ሓበሬታ ድማ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ክውስኽ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝፍጠሩ ‘ፀለውቲ’ ውልቀሰባት ንዝፈጥሩዎ ኣጀንዳ ጥጡሕ ባይታ ዘመቻችእ ሃዋሁ ክህሉ ይገብር ኣሎ።
ንኣብነት ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ናብዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ክወጽኡ ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ።
ከምዚኦም ዝበሉ ምዕባለታት ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ጭቡጥ ሓበሬታ ደልዩ ኣብዞም መድረኻት ሃሰው ዝብል ተጠቃሚ ዘይሚዛናዊ ግንዛበ ክምዕብል ጽልዋ ክፈጥር ተኽእሎ ኣለዎ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንታይ ክንገብር ይግባእ?
- ምንጪ ዝኾነ ሓበሬታ ምፅራይ፡ ወትሩ ተኣማንነት ምንጪ ሓበሬታኹም ኣጻርዩ። ነዚ ድማ ንኡድ ሽም ዘለዎም ማዕከናት ዜና ክኾኑ ኣለዎም። ብተወሳኺ ዝተረጋገጹ (ቬሪፋይድ ዝኾኑ) ኣካውንታት ካብቶም ዘይፍለጡ ወይ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሽሞምን ምስሎምን ዘይፍለጡ ተጠቀምቲ ዝዝርግሑዎም ሓበሬታታት ዝሓሸ ርጡብነት ክህልዎም ይኽእል።
- እትረኽቦ ሓበሬታ ምጽራይ፡ እዚ ንምግባር ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ እሙናት ምንጪታት ክትውከሱ ትኽእሉ። ዝኾነ ዜና ሓቂ እንተኾይኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ክጽብጽብኦ እየን።
- ዘይሻራዊ ምዃኑ ምርግጋጽ፡ ምንጪ ሓበሬታኹም ዝኸውን ዘሎ ሰብ ብሰንኪ ንሓደ ወገን ዘለዎ ተፀላውነት ነቲ ዝህበኩም ሓበሬታ ጠውዩ ከቕርቦ ስለ ዝኽእል ጥንቃቐ ምግባር አድላዪ እዩ። ስለዚ ኣተሓሳስባን ድልየታትን እቲ ውልቀሰብን ነቲ ሓበሬታ ኣብ ዘካፍለሉ እዋን ዘሎ ምዕባለታትን እንታይ ይመስል ዝብል ገምጋም ክትገብሩ ይግባእ።
- እቲ ሓበሬታ መጣቐሲ ወይ መርትዖ እንተለዎ ምርግጋፅ፡ ርጡባት ሓበሬታታት ዝተፈላለዩ ምንጪታትን መርትዖታትን ብምጥቓስ እዮም ዝቐርቡ። እቲ ዝረኸብኩምዎ ሓበሬታ ኣሚንኩም ቅድሚ ምቕባልኩምን ናብ ካልኦት ቅድሚ ምክፋልኩምን ዝኾነ ዘራጉድ መግለፂ ኣለዎ’ዶ የብሉን ዝብል ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ’ዩ።
- ሓበሬታ ዘረጋግፁ ድረ ገፃት ምውካስ፡ ከም https://ethiopiacheck.org/ ዝበሉ ኣብ ምጽራይን ምርግጋጽን ቅኑዕነት ሓበሬታታትን ምቅላስ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝሰርሑ ትካላት ምውካስ ጽፉፍነት እትረኽቡዎ ሓበሬታ ኣብ ምርግጋፅ ሓጋዚ እጃም ኣለዎም።
ካብዚ ብዝሰገረ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ስምዒታዊ ዝኾኑን ትኹረት ሰባት ንምስሓብ ብዝብል ዝቐርቡ ሓበሬታታት ከም ዘለው ምግንዛብ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ዘይንዓቕ ግደ ኣለዎ።
እዚኦም ብመልክዕ ስኑዕ ስእሊ፡ ተመሳሲሉ ዝስራሕ ቪድዮ ወይ ግጉይ ርእሲ ብምጥቃም ክቐርቡ ስለዝኽእሉ ብስእልን ምስልን ዝቐርቡ ሓበሬታታት ኣብ እትረኽብሉ እዋን’ውን ልዑል ጥንቃቐ ክትገብሩ ይግባእ።
ኢትዮጵያ ቼክ
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::