ኣብ እዋን ቅልውላው ሰፊሕ ዝርግሐ ስኑዕን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ የጋጥም እዩ

02 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም
ወትሩ: ዝኾነ ሓበሬታ ብዝተማልአ መገዲ ቅድሚ ምንባብካ “ሼር“፣ “ሪትዊት” ወይ ምልኣኽ (Forward) ምባልቀሊል እዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ርእስ ሓደ ጽሑፍ ጥራይ ኣንቢቦም እዮም ከምኡ ዝገብሩ።
ብዙሓት ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ድማ ኣብ ከባቢ ቅልውላው፣ ብዙሕ ዓይነት ሓበሬታ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብዝበጽሓሉ እዮም ዝዕምብቡ።
ንኣብነት: ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ምስ ውሳነ ዳግመ ምጥያስፍሉይ ሓይሊ ብዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ተላዒሉ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሓበሬታ ክፍተት ተበሊጾም ግጉይ ሓበሬታ ዘሕልፉ ተጠቀምቲማሕበራዊ ሚዲያን ድረ ገጻትን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ሰባት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ወይ ግጉይ መልእኽቲ ከሕልፉ መበገሲ ዝኾኖም ኮነ ተዋሳእቲ እቲ ተግባር ዝተፈላለዩእዮም።
ኮነ ተባሂሉ ዝፍጸም ስሕተት ምድንጋር ንምፍጣር ወይ እቲ ብቐጥታ እቲ ኩነታት ዝምልከቶ ተኸታታታቲ ሓሶትንክኣምን ምግባር እዩ።
ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ‘ቦትስ‘ ከምኡ‘ውን ናይ ሓሶት ኣካውንታት እዞም መልእኽታት ዚያዳ ንክውዝዑ ይገብሩ።
ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ ብዛዕባ ባህርያት ተጠቀምቲ መንግስቲ ዘይብሉ ሓበሬታ ስለ ዘለዎም በዞምመተግበሪታት ዝፍጸም ዝርግሐ ስኑዕ ሓበሬታ ናብ ዘረባ ጽልኣት ከምርሕን ሓያሎ ክሳራታት ከስዕብን ይኽእል።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ሓቂ ካብ ሓሶት ምፍላይ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን ትኹረት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ዝኾነ እዋን ግን እቲ ዝረኸብኩምዎ ሓበሬታ ቅድሚ ምእማንኩምን ናብ ካልኦት ምክፋልኩምን ሒደትደቓይቕ ወፊኹም ኣጻርዩ! ምንጪ እቲ ሓበሬታ ምስቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሓበሬታ ዘለዎ ምትእስሳር ምግንዛብ፣ሙሉእ ትሕዝቶ ዝኾነ ጽሑፍ ምንባብ ርእሲ እቲ ጽሑፍ ሙሉእ ትሕዝትኡ ዘንጸባርቕ ድዩ ዝብል ንምርዳእ ስለዝሕግዝ ኣቓልቦ ምግባር ሓጋዚ ተራ ኣለዎም።
ብተወሳኺ ዝኾነ ሰብ ኣብ ኦንላይ ጽሑፍ ከስፍር ስለ ዝኽእል እቲ ገጽ፣ ወይ መርበብ ሓበሬታ ተኣማኒ ድዩ ዝብልክልተ ሰለስተ ግዜ ሕሰብሉ።
ብፍላይ እቲ ጽሑፍ ግድፈት ቃላትን ስርዓተ ነጥብን ዘለዎ እንተኾይኑ ምጥርጣር ኣድላዪ እዩ።
ሓቂ ዝጻረየሎም ምንጪታት ምጥቃምን ኣጻረይቲ ሓበሬታ ምውካስን እውን ይምከር።
ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስልታትን ስእልታትን ልዑል ጥንቃቐ ዝሓቱ እዮም።
ሎሚ ዘለው ምዕባለታት ቴክኖሎጂታት ስእልን ምስልን ሓደ ሰብ ተኣማኒ ወይ ክእመን ዝኽእል ስእልን ቪድዮንክፍሪ የኽእሉዎ ኣለው።
ስለዚ ሓደ ሓበሬታ ብዝሓዞ ስእሊ ወይ ቁራጽ ቪድዮ ጥራይ ምእማን ግጉይ ሓበሬታ ክውዛዕ ምኽንያትክኸውን ይኽእል እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ከም ‘Fotoforensics’ ከምኡ እውን ‘Reverse image search’ ተጠቒምኩም ኣብ ካልእ ቦታ ኣብጥቕሚ ውዒሉ እንተነይሩ ኣጻርዩ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::