ኵላትና ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተቓላዕና ኢና፤ ብኸመይ ንፈልጦን ንከላኸሎን?

How to protect yourself from cyber attacks

ጥቅምቲ 7፣  2016 .

ሰባት ኣብ ዙርያ ድሕነት ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ብምዕባይ ድሑንን ውሑሱን ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ዕድላትንምፍጣር ጐስጓስ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

‘Secure Our World’ ድማ፡ ቴማ ኣብዚ ወርሒ ዝኽበር ዘሎ ወርሒ ምዕባይ ግንዛበ ድሕነት ሳይበርዩ።

መጥቃዕቲ ሳይበር ሰርሰርቲ (hackers) ወይ ካልኦት ዲጂታላዊ ተጻባእቲ ናብ መርበብ ወይ ስርዓት ኮምፒዩተርብምእታው ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ዕላምኦም ሓበሬታ ምዝባዕ፣ ምስራቕ፣ ምጥፋእወይ ምቅላዕ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ካብ ውልቀሰባት ጀሚሩ ክሳብ መንግስታውንዘይመንግስታውን ትካላት ንብዙሓት ግዳያት ክገብር ተዓዚብና ኢና።

ሰርሰርቲ ንንግዳዊ ትካላት ወይ ካልኦት ዒላማ ኣብ ዝገብረሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕላምኦም ከም መሰልዋንነት (intellectual property) መረዳእታታት ክፍሊት ወይ ዝርዝር ዓማዊል እቲ ኩባንያ ምውሳድ እዩ።

ንውልቀሰባት ዒላማ ዝገብሩ ሰርሰርቲ ድማ ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣብ ምውሳድ ትኹረት ክገብሩ እንከለው ነዚተበሊጾም ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዝተፈላለዩ ጸቕጢታት ከሕድሩ ይፍትኑ።

ብፍላይ እዚ እዋን ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ስማርት ስልክታት ዝሕዝን ኢንተርነት ዝጥቀምን ከምኡውን ዝረኽቦምኣገልግሎታት ኣብ ኢንተርነት ዝተሞርኰሱ እናዀኑ ይመጽኡ ዘለውሉ ብምዃኑ ንሳይበራዊ መጥቃዕቲ ልዑልተቓላዕነት ኣሎ።

እቲ ብብዝሒ ዝፍለጥ ንኮምፒዩተራትን ቴሌፎናትን ዘጥቅዕማልዌርዝተባህለ ቫይረስ ምጥቃስ ይክኣል።

ከምዚኦም ዝበሉ ቫይረሳት ካብ ፍልጦና ወጻእ ኣብ እንጥቀመለን ስልክታት ወይ ኮምፒዩተር ተጻዒኖም ክንረኽቦንኽእል። ንኣብነት ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 . ቻይና እዚ ቫይረስ ኮምፒዩተር ዝተጻዕናብኣሽሓት ዝቑጸራ ቴሌፎናት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝሸጠትኣፕስትሪምዝተባህለ ትካል ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ 53 ሽሕ ቴክኖ ‘W2’ ዝተባህላ ቴሌፎናት ተሸይጠንኢሉ፤ ቴክኖ ግን እቲ ቫይረስ ካብ ፍልጦ እቲ ትካል ወጻእ ከም ዝተገጥመ ብምግላጽ ነቲ ሓበሬታ ነጺጉዎ ምንባሩይዝከር።

ቫይረስ ማልዌር ኣብ እትጥቀመሉ ፍርያት ቴሌፎን ወይ ኮምፒዩተር ተሓቢኡ ዝቕመጥ ቫይረስ ኰይኑ እቲ ኣቕሓስርሑ ኣብ ዝዓየሉ እዋን ናብቲ ውልቀሰብ ዝተልኣኹ መልእክታት ወይ ሓበሬታታት ንምስራቕ ይውዕል።

ትሪያዳዝበሃል ቫይረስ ድማ ኣብ ኣንድሮይድ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ዝግጠም ኰይኑኤክስሄልፐርዝበሃል ኰድብምጥቃም ድማ፡ ብዘይፍቓድ ተጠቀምቲ ዝደለዮ ኩሉ ዝገብር እዩ።

እዚ ካብ ኣፍልጦ ተጠቀምቲ ወጻኢ ኣብ ሞባይላትን ካልኦት ቴክኖሎጅታትን ዝግጠም ማልዌር፡ መረዳእታት ካብምጉሕጓሕ ሓሊፉ ስልክታትን ኮምፒዩተራትን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብር ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘስግእኑና ሳይበራዊ መጥቃዕታት እንታይዮም?

እዚ እንነብረሉ ዘለና ዓለም ብቴክኖሎጂ ዝተዓብለለ ኰይኑ ኢንዳስትሪያላዊ ሰውራ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብህይወትና ሓያሎ ለውጢታት ዘምጽኡ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ማዕቢሎም።

እቲ ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለ ዝብሃል ካብ 1980ታት ዝጀመረ ኣጠቓቕማ ኮምፒዩተራት እዩ፤ ነዚአን ምስኢንተርነት ብምርኻብ ርክባት ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን ገይሮም እዮም።

ዝተዋደደ ግደ ኮምፒዩተራትን ኢንተርነትን ድማሳይበር ስፔስዝተባህለ ቨርቱዋል (ማንዛ) ኣገባብኮምዩኒኬሽን ብምፍጣር ኣዝዩ ጽዑቕ ዋሕዚ ሓበሬታታት ክህሉ ካብ ምግባር ብዝዘለለ፡ ከም ባንኪ፣ሆስፒታላት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ምክልኻል ዝበሉ ኣገልግሎታትን ትካላትን ኣብኡ ዝድረኹ ክዀኑ ርኢና።

እዚ ዝተሓላለኸ ምዕባለታት ድማ ከም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝበሉ ስግኣታት ክዓቢ ገይሮምዮም፤ እዞምመጥቃዕታት ግጉይ ሓበሬታ ንምውዛዕ፣ ርጡብነትን ምሉእነትን ሓበሬታ ብምስንኻል ሰፍ ዘይብል ሓደጋክበጽሕ ይገብሩ።

እዚኦም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ፣ ብዝተዋደደን ዝተራቐቐን ኣገባብ ዝፍጸሙ ጕሕለታት ብዙሓት ሃገራትንመንግስታትን ንልዑል ክሳራታት ክቃልዑ ክገብሩ ዝጸንሑን ዘለውን እኳ እንተዀኑ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ኣብዝፍጸሙን ኣቓልቦ ክንገብረሎም ዝግብኣናን ሳይበራዊ መጥቃዕታት ከነድህብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ሰባት ብኢሜይል፣ ብሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍን ብቐጥታ ስልኪ ብምድዋልን ብዝፍጸሙምትላላትን ፈተናታት ምስራቕ ሓበሬታን ግዳያት ኰይንና ክብሉ ሰሚዕኹም ወይውን ኣጋጢምኩም ክኸውንይኽእል።

ንመጥቃዕቲ ሰይበር መንቀሊ ክዀኑ ዝኽእሉ ድማ፡ ማልዌር፣ ፊሺንግ፣ ሺሚሺንግ፣ ቪሺንግ ዝብሃሉሓበሬታ ናይምስራቕ መገዲታት ይጥቀሱ።

ብኢሜይል ኣብ ዝልኣኹ መልእኽታት ቫይረሳት ኣሰኒኻ ብምስዳድ ሓበሬታ ውልቀሰባት ንምስራቕ ዝግበር ጻዕሪፊሺንግዝብሃል ኰይኑ ብቴሌፎን ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ብምልኣኽ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ንምስራቕዝግበር ፈተነ ድማሽሚሺንግይብሃል።

ሓላፊ ሓደ ትካል (ወይ ሰራሕተኛ ባንክ፣ ቴሌኮምን ካልእ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን) መሲሉ ስልኪብምድዋል፡ ዝርዝር ሓበሬታታት ሽምን ኣድራሻን፣ ቁጽሪ መለለዪ መንነት ወይ ፓስፖርት፣ ቁጽሪ ባንኪ ሕሳብ፣ኢሜይልኩም፣ ስልክኹም፣ ባንኪ ሕሳብኩም ብሚስጥር ንምሕላው እትጥቀምሉ ሚስጥራዊ ሓበሬታታትዝሓተተኩም ኣሎ?

እዚ፡ቪሺንግተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ምትላል መገዲ ዝምደብ መጥቃዕቲ ወይ ጕሕለት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እዞም ናይ ምትላል መገዲታት ስራሕ ትደልዩ፣ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትከዱ ትደልዩ፣ ብቐሊሉ ገንዘብክትረኽቡ ዘኽእሉ መገዲታት ንምፍላጥ ወይ ሽልማት ንምርካብ ትደልዩ . . . እንተዀይንኩም ነዚ መላግቦ (Link) ጠውቑ . . . ዝብሉ ክንረክብ እንከለና ወይ ክልኣኸልና እንከሎ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብርን ክንጠራጠር ከምዝግብኣናን ይምከር።

ስለዚ ካብ ዘይትፈልጡዎ ሰብ ዝተላእኸ መልእኽትን ምስ መልእኽቲ ዝመጽእ መላግቦን ብዘይምኽፋትመጥቃዕታት ፊሺንግ ኰነ ስሚሺንግ ምክልኻል ይክኣል።

ቴሌፎን ብምድዋል ዝርዝር ሓበሬታታት ዝሓዙ ሰባት ቃናኦም ብጥንቃቐ ብምድማጽ፣ ዝደወልሉ ጨንፈርይኹን ካልኦት መንነቶም ንምርዳእ ክሕግዝኹም ዝኽእሉ ሓበሬታታት እቲ ደዊልናሉ ዝብሉ ትካል ብምሕታት፣ብኣካል ክመጽእ እየ ብምባል ዝዀነ ዓይነት ሚስጥራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ምቑጣብ ክስዕቡ ካብ ዝኽእሉክሳራታት ከድሕን ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሃንደበት ንዝተላእኸልና መላግቦ ብምኽፋት ኣቐዲሞም ዝመጽኡ፡ እሰማማዕ– “Agree” ሕራይ -“OK” ኣይፋል -“NO” ወይ እወ -Yes” ዝብሉ መልእኽታት እንተዀይኖም ፈጺምና ክንጥውቕ ከም ዘይብልናን‘X’ ዝብል ምልክት ርኢና ክንዓጽዎ ከም ዘለናን ክኢላታት ድሕነት ሳይበር ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት፣ ኢሜይል፣ ባንክን ካልእን እትጥቀሙሎም ናይ ሚስጢር ቃላትሓደ ዓይነት ክዀኑ፣ ክደጋገሙ የብሎም። እዚኦም በብግዝኡ ምቕያር፣ ደጊምካ ዘይምጥቃምን ንካልእ ሰብኣሕሊፍካ ዘይምሃብን ይምከር።

ኮምፒዩተርካ ይኹን ስልክኻ ንዝዀነ ናይ ሚስጥር ቃል (ፓስዎርድ) ‘ሴቭክገብሮ ዝብል ምልክት ከርኢእንከሎውን ኣይፋል ምባል ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት (ካፌታት፣ ሬስቶራንታት) ብናጻ ዝቐርቡኣገልግሎታት ኢንተርነት (ዋይፋይ) እውን ዘይምዝውታር ካብ ሓደጋታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክከላኸሉይኽእሉዮም።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::