ሓቅን ርእይቶን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንእንሃልኮ ሓበሬታ ብኸመይ ይጸልውዎ?

ማሕበራዊ መራኸቢ

22 ሰኔ 2015 ዓ.ም

ከም ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዩትዩብ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰባት ንሓድሕዶም ዝለዋወጡዎም ሓበሬታትን ርኢይቶታትን ኣገባብ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ገይሮም እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ነዞም መድረኻት ተጠቒሞም ካብ ፖለቲካውን እዋናውን ጉዳያት ስፖርትን ምዝንጋዕን ዘለዎም ሓሳብን ርኢይቶን ይለዋወጡ።

ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንረኽቦ ሓበሬታ ኣዝዩ ብዙሕ፣ ዝተሓዋወሰን ገሊኡ ክኣ ኰነ ተባሂሉ ብዝውዝዑ ግጉያትን ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ስእልታትን ዝተጸልወ ስለ ዝዀነ እቲ መድረኽ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝገብሮ ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይገልጹ።

ዝዀነ ሓበሬታ ሓቂ ድዩ ኣይኰነን ንምፍላጥ ግን ነቲ ሓቅታት ጥራይ ክትጥምት ከም ዘለካ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን’ምበር ርእይቶታት እውን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም።

መሰረታዊ ኣብ ሞንጐኦም ዘሎ ኣፈላላይ – ሓቂ ብመረዳእታ ክረጋገጽ ወይ ክድገፍ ዝኽእል፣ ብኻልኦት ምንጪታት ክዕቀን ዝኽእል ክኸውን እንከሎ ርኢይቶ ግን ሰባት ብዛዕባ ሓደ ነገር ዝመስሎም፣ ዝሓስቡዎ፣ ልክዕ ኰይኑ ዝርኣዮምን ንስምዒቶም ዝገልጽን ምዃኑ እዩ።

ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2018 ዓ.ም ሓሙሽተ ጭቡጥ መግለጺታትን ሓሙሽተ ናይ ርእይቶ መግለጺታትን ገይሩ ሰባት ኣየናይ ሓቂ ኣየናይከ ርኢይቶ ምዃኑ ከለልዩ ሓቲቱ ነይሩ።

ካብ 5000 ኣባጽሕ እቶም 35 ሚኢታዊት ጥራይ ነቶም ሓሙሽተ ርኢይቶታት ዝዀኑ ብትኽክል ከለልዩ እንከለዉ እቶም 26 ሚኢታዊት ክኣ ነቲ ሓቂ ተባሂሉ ዝቐረበ ክፈልጡ ክኢሎም።

እዚ ማለት መብዛሕትኦም ንሓቂ ከም ርእይቶ፤ ወይ ድማ ንርእይቶታት ከም ሓቂ ተቐቢሎም ኣለው ማለት እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣረዳድኣ ግን ናብ ምድንጋርን ምስ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ኣብ እትለዋወጠሎም ኣጋጣሚታት ጸገማት ከስዕብን ይኽእል እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ ሰባት እቲ ርእይቶ ምስቲ ዝነበሮም እምነታት ዝሰማማዕ ኰይኑ እንተረኺቦምዎ ንሓደ ርእይቶ ከም ሓቂ ክርእይዎ ዝያዳ ተኽእሎ ከም ዘለዎም የመልክት።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣብቲ ሓበሬታ እንረኽበሉ ኣገባብ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ማሕበራዊ ሚድያ ንብዙሓት ሰባት ብምትእስሳር ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝወሃቡ ርእይቶታት ንምቁጽጻርን ኣረኣእያታት ንምጽላውን መሳርሒ ኰይኑ ኣሎ።

ሰባት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጺታት፡ ሃይማኖታዊ ርእይቶታት፡ ማሕበራዊ ርክባትን ቁጠባዊ ጽምዶታትን ክሕዙ ይጽለዉ።

መብዛሕትኡ ሕጂ ዘለና ርእይቶታት ካብ ማሕበራዊ መርበባትን ዲጂታላዊ መወዓውዒታትን ዝወረስናዮ ኣረኣእያ ዝመጽእ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እዚ ድማ፡ ብሓደ ሸነኽ ሰባት ናጻ መስርሕ ኣተሓሳስባኦም እናጠፍአን ኣብ ርእይቶ ካልኦት ሰባት ይምርኮሱን ኣለው፤ ብኻልእ ሸነኽ ግን ናይ ምሕሳብ ዓቕምና ተፈቲኑን ዓለምለኻዊ ምኽንያታዊ ኣረኣእያ ንኽህልወና ገይሩን’ዩ ብምባል የረድኡ።

ስለ ዝኰነ ድማ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ እንረኽቦ ሓበሬታ ወይ ርኢይቶ ቅድሚ ናብ ካልኦት ሰባት ምክፋልና እዚ ሓበሬታ ክኣምኖ ይኽእል’ዶ? ሓቂ ይመስል’ዶ? ብምንታይ ከረጋግጾ ይኽእል? እዚ ርኢይቶ ዝህብ ዘሎ ሰብከ መን’ዩ? ኢልና ክንሓትት ይምከር።

ብቐንዱ ድማ፡ ኵላትና ኣብ ዲጂታል ዓለም እነካፍሎ ሓበሬታን ርኢይቶን ቅኑዕን ተኣማንን ኣብ ምግባር እጃም ስለ ዘለና ሰባት ዝጥቀሙሉ ዘለው ቋንቋ ምስትብሃል፣ እቲ ኣካውንት ትኽክለኛን ክእመን ዝኽእልን ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::