ካብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዳታ ተቛሪጹ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

28 ሓምለ 2015 ዓ.ም

  1. ካብ መፋርቕ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ዳታ ኢንተርነት ደው ከም ዝበለ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ኣብቲ ክልል ምስ ዝተፈጠረ ናዕብን ጐንጽን ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ ሲቪክ ትካላት ነቲ ተግባር ነቒፈንኦ። ማእኸል ልምዓት መሰላትን ዴሞክራስን (ካርድ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ግልጋሎት ኢንተርነት ምቁራጹ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ብምሕባር “ምቁራጽ ኢንተርነት ጐንጺታት ንምክልኻልን ዘላቒ ሰላም ንምምጻእን ኣይሕግዝን” ብምባል እቲ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ ጸዊዑ።
  1. ኤክስ (X) ሓቀኛ መንነት ናይቶም ሰማያዊ ባጅ ዘለዎም ተጠቀምቲ ንምርግጋጽ መለለዪ መንነት ምሕታት ክጅምር ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተኰረ መርበብ ሓበሬታ ሶሻል ሚድያ ቱደይ ኣፍሊጡ። ኤክስ ነቲ መስርሕ ንምጅማር ናብ ፈተነ ከም ዝኣተወ ክግለጽ እንከሎ ተጠቀምቲ ‘ብሉ ባጅ’ ድማ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ መንግስታዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከም ዘድልዮም ተሓቢሩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ኤክስ ምልክት ‘ብሉ ባጅ’ ናብ መሸጣ ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ድማ ሓያሎ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ነቲ ምልክት ከም ዝገዝእዎ ብሰፊሑ ይግለጽ።
  1. ሜታ ሰራሕተኛታት ተቘጻጸርቲ ኣሉታዊ ትሕዝቶታት ምንካዩ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣሉታዊ መልእኽትታትን ንምዝርጋሕ በሪ ከም ዝኸፈተ ተገሊጹ። ዓለምለኻዊ ትካል ምዕባለ ሚድያ ኢንተርኒውስ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ ጸብጻብ ስጉምቲ ሜታ ስራሕቲ ክፍሊ ምክትታልን ምቁጽጻርን ትሕዝቶ እቲ ኩባንያ ከም ዘሰናኸሎ ጠቒሱ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ደረት መሰል ሓሳብ ምግላጽ ክሳብ ምንታይ ክኸውን ይግባር ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪብና፤

https://t.me/ethiopiacheck/2106

-“ልቓሕ ብቐሊሉ ትረኽቡ” ብምባል ዝተፈላለዩ መልእኽታት ኣብ ልዕሊ ዘሕልፉ ናይ ፌስቡክ ገጻት ምጽራይ ገይርና፤

https://t.me/ethiopiacheck/2107

-ፕሬዝደንት ሰኔጋል ብዛዕባ ኤርትራ ተዛሪቡዎ ተባሂሉ ዝተወዝዐ ሓበሬታ’ውን ኣጻሪና፤

https://t.me/ethiopiacheck/2111

https://t.me/ethiopiacheck/2112

-ዕጫ ዲጂታል ሎተሪ ኣድማስ ዝምልከት’ውን ኣጻሪና፤

https://t.me/ethiopiacheck/2114

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::