ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንክጅመር ጻውዒት ቀሪቡ

04 መስከረም  2016 .

1. መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ናብ ንቡር ክመልሶ ጥምረት ብዙሓት ትካላትሓቲቱ። ልዕሊ 300 ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን 48 ፈረምትን ዝሓቖፈ ምንቅስቓስኪፕኢትኦን‘ (#KeepItOn) እዮም ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘለው። ነቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ ኣብ እዋን ጐንጺኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁራጽ፡ ዜጋታት ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንክረኽቡ ዝድርት ምዃኑ ተገሊጹ።

2. ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝዝርጋሕ ናይሓሶት ሓበሬታ ጥዕናን ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዓርሱ ክሕሉ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊመራኸቢታት ብፍላይ ድማ ቲክቶክ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ጥዕና ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስትሪገሊጹ። እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝዝርግሑሓላፍነት ዝጐደሎም፡ ናይ ጥዕና ሞያ ዘይብሎም ማዕዳ ሰብ ሞያ ጥዕናንህብ ኢናዝብሉ ሰባት ምዃኖም ኣፍሊጡ። ስለ ዝዀነ ድማ ንጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ትኽክለኛምንጪ ሓበሬታን ካብ ሰብ ሞያ ጥዕናን ጥራሕ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

3. ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያ ዝህባ ኩባንያታት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኤውሮጳውያን ኣብ ሓያሎ ሃገራትዝካየድ መረጻ ኣብ ግምት ብምእታው ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምቁጽጻር እኹል ምድላው ከም ዘይገበራግሎባል ኮኣሊሽን ፎር ቴክ ጀስቲስ (Global Coalition for Tech Justice) ዝተባህለ ኣህጉራዊ ጥምረት ነቒፉ።እቲ ንመራሕቲ ሲቪክ ማሕበራትን ብቴክኖሎጂ ዝተሃሰዩ ሰባትን ዘራኽብ ጥምረት፡ ብፍላይ እተን ኩባንያታትብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ንምቁጽጻር ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ነቒፉ። እቲ ጥምረት፡ እተንኩባንያታት ንመረጻ ዝገብርኦ ዘለዋ ምድላዋት ዝርዝር ሓበሬታ ክህባ ድማ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ጥምረት ኣብ ዓመተ2024 ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 50 ምርጫታት ከም ዝካየድን እዚ ኣስታት 2 ቢልዮን ህዝቢ ከም ዝሳተፈሉንኣዘኻኺሩ።

መላግቦ ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቐረበ ሓበሬታ፡

ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (2015 .) ምስ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ዝነበረኩነታት ዝድህስስን ኣብዚ ዓመት ክንገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ዘዘኻኽርን ትሕዝቶ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2180

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::