ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ መሊኦም ናብ መረበቶም ተመሊሶም ድዮም?

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ መሊኦም ናብ መረበቶም ተመሊሶም ድዮም?

27 ጥቅምቲ፣ 2017 .

ብቀዳም ቤት ፅሕፈት ኣመሪካ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕሊ ዘላቒ ምቁራፅ ተፃብኦታት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ክሳብ ሕዚ ንዝተርኣዩ ምዕባለታት ከም ዝንእድ ጠቒሱ ነይሩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ትግራይ ተዅሲ ደው ምባሉ ዝያዳ ክንእድ ከሎ “ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ተመሊሶምን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ተመሊሶምን’ዮም” ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካልኦት ውልቀሰባትን እቲ መግለፂ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክቃወሙዎ ተዓዚብና።

ውድብ ናፅነት ትግራይ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብናይ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ እቲ መግለፂ “መደናገርን ነቲ በቲ (ኲናት] ኣብ ዝተጎድአ ከባቢታት ትግራይ ንብዙሓት ዘጋጥሞም ዘሎ ክውንነት ዘየገናዝብን’ዩ” ብምባል ብዙሓት ተመዛበልቲ ሕጂ’ውን ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዮም ዝርከቡ ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ናይ ምምላስ ስጉምቲታት ክውሰድ ከም ዝተጀመረ ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክገልፁ ምፅንሖም ይፍለጥ።

ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ኣብ ክልላት ሶማልያ፣ ኦሮሞያን ትግራይን ኣስታት 4.5 ሚሊዮን ዝፅግዑ ተመዛበልቲ ኣብ ገጠርን ከተማን ከም ዝርከቡ የመልክት።

መብዛሕትኡ ምምዝባል ኣብ 2021 ዓሪጉ ብዝተራእየ ጎንፂ ዝስዓበ ምዃኑ ድማ ይሕብር።

ኣስታት 56 ሚኢታዊት ተመዛበልቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ከም ዝተመዛበሉ ክጠቅስ ከሎ እቶም 23 ሚኢታዊት ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዘቑፀሩ፣ ካልኦት 11 ሚኢታዊት ድማ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ከም ዝገበሩ ኣመልኪቱ።

ካብ 2022 ጀሚሩ 3.3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከም ዝተመልሱ ዝጠቅስ እዚ ፀብፃብ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር ዝቕፅል ዘሎ ምምዝባል ግን ብዝሒ ተመዛበልቲ 4.5 ሚሊዮን ኮይኑ ከምዝቐፀለ ገሊፁ።

በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ 1.1 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ከም ዘለው፤ እዚኦም ድማ ብሰንኪ ጎንጺ ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

እዞም ተመዛበልቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር ናብ መንበሪ ቦታኦም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ይገልፅ።

ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ’ውን እቶም ክሳብ ሕጂ እቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዝመፅኡ ለውጢታት ከም ዝንእድ ብምግላፅ መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን ግን ሓያሎ ዕማማት ከምዝሓትት ኣመልኪቱ’ዩ።

በዚ መሰረት “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሎም ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት ብወለንታኦም ንኽምለሱ ዝሕግዝ ስጉምትታት ከቀላጥፍ ንጽውዕ” ኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ኣብ ዝርከቡ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታትን ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ቼክ

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::