‘ብወገን ትግራይ ዝተፈረመ ሰነድ የለን’ – ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
20 ነሓሰ፣ 2016 ዓ.ም
ሎሚ መዓልቲ: ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ‘ጥልመትን ክሕደትን’ ፈጺሙ ብዝብል ዝተዘርግሐ ሰነድ ንብዙሓት ከዘራርብን ሕቶ ከልዕልን ውዒሉ ኣሎ።
እዚ: “ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ኣምሓራን ትግራይን ህዝባዊ ምምሕዳር ንምውዳብ ዝተዳለወ ትልሚ” ብዝብል ርእሲ ዝተወዝዐ ሰነድ: ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፌደራላዊ መንግስትን ዝተፈረመ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
እዚ ባሻ ደስታ ብዝብል ኣካውንት https://www.facebook.com/share/p/pDLqsfGZTraGPptn/?mibextid=oFDknk ዝወጽአ ሰነድ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈጸመ “ጥልመት” ምዃኑ ዘርኢ እዩ ብምባል ክኸስስ ከሎ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ካልኦት ክባጻሕ ገይሮምን ጥርጣራታት ክሓድሮም ገይሩን እዩ።
ይኹን’ምበር: ርኢይቶኦም ንኢትዮጵያ ቼክ ዝሃቡ ምንጪታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር “እዚ ሰነድ እንፈልጦ ኣይኮነን ብምባል” ነጺጎምዎ።
ፕሬዝደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ሎሚ ኣማስዩ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ መዘራረቢ ኮይኑ ዝወዓለ ዛዕባ
ኣብ መረባ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ሙሉእ ማዓልቲ መዘራረቢ ኮይኑ ዝወዓለ ሰነድ “ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘራኽብ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን” ኢሉ።
እዚ ሰነድ ብመን ተዳዩ ብዘየገድስ ኣካል “እቲ መሬት ሸይጦም” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ምምሕዳሩ ዘቕንዐ ወፍሪ’ዩ ዝመስል ብምባል “ብወገን ትግራይ ዝተፈረመ ሰነድ የለን” ክብል ነጺጉዎ።
እዚ ሰነድ ኣብቶም ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ዘለው ከባቢታት ዝለዓሉ ሕቶታት ወሰን ንምፍታሕ መረጻ ግዝያዊ ከባቢያዊ ምምሕዳር ከምዝካየድ የመልክት።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ እቲ ዝለዓል ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ብሄራዊ ኮሚቴ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ እዞም ኣብቲ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዝተልዓሉ ሓሳባት ዝሓዘ ኣንፈት ከም ዝቐመጠ ዝሕብር መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓትን ኣፈላላይ ተፈጢሩ ብምህላው ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ዝካሰሱሎም ጉዳያት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ የዘራርቡ ምህላዎም ይፍለጥ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::