ሰልፊ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ – ባይቶና ‘ኣይጸዋዕኹዎን’ ዝበሎ ዋዕላታት ናይ መን’ዩ?

ሰልፊ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ - ባይቶና ‘ኣይጸዋዕኹዎን’ ዝበሎ ዋዕላታት ናይ መን’ዩ?

22 ሓምለ 2015 .

ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ – ባይቶና ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ዋዕላ ከካይድ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ።

እዚ ኣብቲ 44 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ – ባይቶና National Congress of Great Tigray ብዝብል ናይ ፌስቡክ ገጽ እቲ ውድብ ዝተዘርግሐ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንሎሚ 22 ሓምለ 2015 ዓ.ም ምስ ነበርቲ እታ ከተማ “ህዝባዊ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣግኣዚ መአከቢ ኣዳራሽን ካልኦት ነገራትን” ንክመቻችኣሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ፍቓድ ከም ዝረኸበ ዘመላኽት ደብዳበ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተጠቂዑ ይርከብ።

ሎሚ ንጉሆ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ውቕሮን ዓብዪ ዓድን ጽባሕ ሰንበት ኣኼባታት ንምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ባይቶና – ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ – National Congress of Great Tigray ዝብል 1.7 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ እቲ ውድብ ብሕጋውን ትካላውን ኣገባብ ዝጸውዖ ህዝባዊ ዋዕላ ከም ዘየለ ዝገልጽ ደብዳበ ዘርጊሑ።

በዚ መሰረት እቶም ብሽም እቲ ውድብ ዝጽውዑ ዘለው ዋዕላታትን በቲ ነቶም ኣኼባታት ዝጽውዕ ዘሎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝሓለፉ ዘለው መልእኽታትን ነቲ ውድብ ዝምልከቱ ከም ዘይኰኑ ባይቶና ንኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣቐዲሙ ውድብ ባይቶና ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣካውንት እኳ እንተዀነ ካብ 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ እዚ መጥቀሚ ካብ ቁጽጽር እቲ ውድብ ወጻኢ ብምዃኑ ካልእ ናይ ፌስቡክ ገጽ ክኸፍት ከም ዝተገደደ ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊ ኣወዳድባ ህዝብን መብራህቱ ስዩም ኣብሪሁ።

“እታ ኣኼባ ከም ዝተፈቕደ ዝተጠቅዐላ ኣካውንት ቅድሚ ሕዚ ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ኣቦ መንበር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ኰይኑ (ኣድሚናት) ትመሓደር ነይራ። ንሱ ካብ ኣቦ መንበርነት ወሪዱ ህዝቢ ርክብ ምስ ኰነ’ውን ኣብኡ ኰይኑ ይቈጻጸራ ነይሩ። ብናይ ውሽጢ መስርሕ ምኽንያት ብፖለቲካዊ መትከልን ገለ ስነ ምግባራዊ ጉዳያትን ካብቲ ፓርቲ ምስ ተኣገደ ግን ነቶም ክልተ ኣውጺኡ ነታ ፌስቡክ ወኒኑዋ፤ ነዚ እግድ ተጠቒሙ እታ ኣካውንት’ውን ነቲ ውድብ ኣሕዲጉዎ” ይብል።

እቲ ውድብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ እቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጽን ኣድራሻ ኢሜይልን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ምዃኑ ይጠቅስ።

ስለ ዝዀነ ድማ ኣብቲ ነባር ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወጽእ ሓበሬታ ኰነ ዝወሃብ ርኢይቶታት ነቲ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይውክልን ምባሉ ኢትዮጵያ ቼክ ካብቲ ደብዳበ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እቲ ዝጸንሐ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሕጂ’ውን ዝተፈላለዩ መልእኽታትን ጻውዒታት ኣኼባን ዝሓልፈሉ ዘሎ ብምዃኑ ምድንጋራት ክፍጠሩን ብሽም እቲ ውድብ ግጉይ መልእኽታት ክሓልፉን ምኽንያት ይኸውን ምህላው ኣቶ መብራህቱ ተኣሚኑ።

“ብዙሕ ጉድኣት ኣለዎ፤ ነዚ ተረዲእና እውን እቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ካብ ኢድና ምስ ወጽአ ንሚድያታትን እቲ ማሕበረሰብን ብስሩዕ ደብዳበ ኣፍሊጥና ኢና”።

እቲ ገጽ ብሕጋዊ መገዲ ክዕጾ ቅድሚ ምግባሮም ምስቶም ነዚ መጥቀሚ ዝጥቀሙ ዘለው ውልቀሰባት ዘለዎም ኣፈላላይ “ብዘተ ክንፈትሖ ንደሊ ነይርና፤ እቶም ውልቀሰባት ጌጋኦም ክእርሙ’ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ጻዕሪታት ክንገብር ጸኒሕና ኢና” ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ሞንጐ ገለ ኣባላት እቲ ውድብ፡ ከም ብሓድሽ ክንውድቦ ኢና ዝብልን ምስ ቦርድ መረጻ ተዘራሪብና ነቲ ዝነበረ ከነቐጽል ኢና ዝብልን ኣፈላላይ ምህላው እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::