ሜታ ኣብ ዙርያ ናይ ሓሶትን ዝንቡዓትን ሓበሬታታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ከም ዝነከየ ተፈሊጡ

20 ሚያዝያ  2015 ዓ.ም

1. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ ኩለን ግዝኣታትን ክልላትን እታ ሃገር ዘረባታት ጽልኢ ክምዝግባ ዝጠልብ ቅድሚሓደ ዓመት ዘሕለፈ ውሳነ ከም ዘናውሖ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ቤት ፍርዲ ክሲ ዘይተመስረተሉ ዘረባጽልኢ ክምዝገብ መምርሒ ሂቡ ከም ዘሎውን ተገሊጹ። ብተወሳኺ እተን ግዝኣታትን ክልላትን ነዚ ስራሕዝሰርሕ ክኢላ ክመዛ ዝኣዘዘ ኰይኑ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ምእላይ ዘረባ ጽልኢ ዘለዎም ኣፈፃፅማዘርኢ መምርሒ ክውጽኣ ከም ዝኣዘዘ እውን ተፈሊጡ። እዚ ትእዛዝ እዚ ብፍላይ ጥዕና ሃይማኖታዊ ምትእስሳርእታ ሃገር ንምሕላው ዝተዋህበ ምዃኑ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

2. ትዊተር መምርሕታቱን ፖሊሲታቱን ብምጥሓስ ዝርኣይሉ መጠን ክንኪ ዝገብሩ ትሕዝቶታት ተኸታተልቲዝሕብር መተሓሳሰቢ ክጥቀም ጀሚሩ። በዚ መጠን ዝርኣይሉ ክንኪ ዝተገብሩ ትሕዝቶታት ዝሽፈኑ ኰይኖምኣብቲ ሽፋንዝርኣየሉ ክንኪ ዝተገብረ” (Visible limited) ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። እቲ ትሕዝቶ ንምንታይስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ዝገልጽ ሓረግ እውን ዝሓዘ እዩ።

3. ሜታ ኣብ ዙርያ ናይ ሓሶትን ዝተዛብዑን ሓበሬታታት ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉሰራሕተኛታት ከም ዝነከየ ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ዝጽብጽብ መርበብ ሓበሬታ ዘቨርገ ሓቢሩ። እቲ መርበብሓበሬታ ከም ዝጸብጸቦ ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ናይ ሓሶትን ዝተዛብዐን ሓበሬታ ኣብ ምቁጽጻር ይሰርሕካብ ዝነበረን 50 ሰራሕተኛታት ዝሓቖፈን ክፍሊ መብዛሕትኦም ነክዩዎም ኣሎ። ኣካያዲ ስራሕ ማርክዙከርበርግ ሜታ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከም ዝንኪ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን መላግቦታት ቴሌግራምን

ኣብ ናይ ሰኑይ መልእኽትና ብመልክዕ ዋዛ ካብ ዝቐርቡ ዘረባታት ጽልኣት ክንገብሮ ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/1975

ብተወሳኺ ምስ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ጉዕዞ ብዝተሓሓዝ ዝተዘርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ዝምልከት ኣጻሪና:

https://t.me/ethiopiacheck/1978

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ክልል ክወጽእ ከም ዝገበረ ዝገልጹግጉያት ሓበሬታታት ኣጻሪና ብቋንቋታታት ኣምሓርኛን ትግርኛ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/1981

https://t.me/ethiopiacheck/1982

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::