ሜታ ጸብጻብ መነዓብቲ ተግባራት እዚ ርብዒ ዓመት ወግዓዊ ገይሩ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

4 ግንቦት 2015 ዓ.ም

  1. ሜታ ጸብጻብ መነዓብቲ ተግባራት (Adversarial Threats Report) ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2023 ዝምልከት ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝተርኣዩ መነዓብቲ ተግባራት ዝድህስስ ኰይኑ ተግባራት ምትላል፣ ምጽላውን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ብሓድሽ ኣገባብ ጐሊሖም ከም ዝተርኣዩ የመልክት። እዞም ተግባራት ምትላል ዝፍጽሙ ሰባት ቴክኖሎጂታት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ከም ዝተጠቐሙ ብምምሳል ነቶም ዒላማ ዝገበሩዎም ኣካውንታት ከም ዘጥቅዑን ከም ዘታልሉን ይገልጽ። ብኻልእ ወገን ድማ መንግስታት ብዝተዋደደ መልክዑ ጽልዋ ንምፍጣር ፈተነ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ። ተወሳኺ ብክራይ ኩባኒያታት ዝፍጸሙ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ወሲኰም ከም ዝተራእዩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ናይ ሓሶት ኣካውንታት ኣዕናዊ ስራሕቲ ንምፍጻም ቀንዲ መሳርሒ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ነዚ መሰረት ብምግባር ዝተወስዱ ስጉምታት ዘርእዩ ኣብነታትን እውን ዘርዚሩ ኣሎ።
  1. ጉግል ኣብ ቀረባ እዋን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ ሰርሖ-ብልሒ) ዝተፈጥሩ ምስልታት ብቐሊሉ ንምልላይ ዝሕግዝ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ እቶም ብኤኣይ (AI) ዝተመስርሑ ምስልታት “ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ዝተሰርሑ ምስልታት” (AI Generated) ዝብል ጽሑፍ ክንበብ ዝገብር እዩ። ብተወሳኺ ብጉግል ዝጽዓኑ ስእልታት ብዝበለፀ ንምርዳእ ዘኽእል ዓውዲ ክካተት እዩ። እቲ ጽሑፍ እቲ ስእሊ መዓስን ኣበይን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ጉግል ከም ዝተሰቕለ ሓበሬታ ዝህብ ክኸውን እዩ። ነዚ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ሸነኽ ናይቲ ምስሊ ኣብ ዘለዋ ሰለስተ ነጥብታት ምጥዋቕ ወይ ድማ ነቲ ምስሊ ኣብ ‘Google Lens’ ምድላይ ይግባእ። ጉግል እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካ ክጅምር ምዃኑን ድሕሪኡ ንኹሉ ክፉት ከም ዝኸውንን ኣፍሊጡ።
  1. ትዊተር ሓዳሽ ፈጻሚት ስራሕ ከም ዝሸይም ኣፍሊጡ። እታ ሓዳሽ ፈጻሚት ስራሕ ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ሰሙናት ስርሓ ከም እትጅምር ወናኒ ትዊተርን ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕን ኢለን መስክ ገሊጹ። ኢለን መስክ ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ካብ ዝኸውን ንድሓር ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝሓልፉ መልእኽትታት ጽልኢ ከም ዝወሰኹ ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ክዛረቡ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታት ምስ መላግቦታት ቴለግራም

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ምኽንያት ብምግባር ሓሳብ ብናጽነት ምግላጽ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ዘለዎ እጃም ዝምልከት ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1996

– ከምኡ’ውን ካብ ዓውዲ ወጻእ ዝተዘርግሐ ኣጻሪና

https://t.me/ethiopiacheck/1998

– ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ቋንቋ ኦሮምኛ ክወሃብ እዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣጻሪና ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1999

https://t.me/ethiopiacheck/2000

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::