ሜታ፡ ወግዓዊ ገጻት ፌስቡክ ኣዛዚ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ዳጋሎን ሓይልታቱን ከም ዝኣለየ ኣፍሊጡ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

  1. ሜታ ወግዓዊ ገጻት ፌስቡክ ኣዛዚ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ዳጋሎን ሓይልታቱን (RSF) ከም ዝኣለየ ኣፍሊጡ። እቶም ገጻት ብመሰረት ንጉጅለታትን ውልቀሰባትን ናዕቢ ብዝገዝኡ ፖሊሲታት ፌስቡክ ከም ዝተኣለዩ ተገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ ሜታ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ርክብ ዘለዎም ካልኦት ገጻት ከም ዝኣገደ ይግለጽ።
  1. ዩቱብ ምስ ሕክምና ብዝተሓሓዝ ከጋጥም ዝኽእል ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ንምክልኻል ኣብ ፖሊሲታቱ ብርቱዕ ለውጢ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። እቲ ምምሕያሽ ንመትከላት ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃገራዊ መምርሒታት ሕክምናን ዝጻብኡ ትሕዝቶታት ክእለዩ ዝገብር እዩ። እዚ ኣብ ምክሓድ ምክልኻል ሕማማት፣ ሕክምናን ሕማማትን ትኹረት ዝገበሩ ትሕዝቶታት ብጥብቂ ክትትል ዝገብር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ዩቱብ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ መንሽሮ ዝተኣሳሰር ዝተወዝዑ ናይ ሓሶት ትሕዝቶታት ከም ዝኣሊ ኣፍሊጡ።
  1. ባይቶ ኬንያ ዝሓለፈ ሰሉስ ቲክቶክ ንምእጋድ ዝቐረበሉ ጥርዓን ከም ዝሰምዐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ ጥርዓን ኣብ ቲክቶክ ዝካፈል ትሕዝቶ ንባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ኬንያ ዘዳኽም እዩ ኣብ ዝብል ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ባይቶ ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ብርቱዕ ክትዕ ከም ዘካየደን ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ሙሴ ዋንታንጉላ ኣብ ቲክ ቶክ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ናዕብን ጽልእን ዘተባብዑን ምዃኖም ብምግላጽ ነቲ ጥርዓን ከም ዝደገፈ ይንገር። እቲ ባይቶ ግን ኣብ ዙርያ እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ውሳነ ከም ዘይሃበ ይግለጽ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቐረቡ ጸብጻባት

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ኣብ እዋን ጐንጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበሩ ልዝባት እንታይ ክመስሉ ይግባእ ዝብል ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/2131

– ብሽም ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤል ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ፌስቡክ ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2133

– ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወልዐ ጐንጺ ኣብ ቁጽጽር ኣትዮም ተባሂሎም ብስእሊ ዝቐረቡ ኣጽዋራት ኲናት መርሚርና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2135

– ብሽም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተኸፍቱ ናይ ሓሶት ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2136

– ንቴሌ ብር ብምምሳል ብቴሌግራም ዝፍጸም ዘሎ ናይ ምትላል ተግባራት ዝምልከት ሓበሬታ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2138

– ኣርቲስት ቴዲ ኣፍሮ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መልእኽቲ ከም ዘሕለፈ ገይሩ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ደብዳበ ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2139

– ኣብ ክልል ኣምሓራ ይቕጽል ምስ ዘሎ ጐንጺ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወዝዐ ቪድዮ’ውን ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2141

https://t.me/ethiopiacheck/2142

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::