“ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ብዝተኣሳሰር ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት ወሲኹ፤ ምስ ኮቪድ ዘለዎ ርክብ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ” – ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ንኢትዮጵያ ቼክ

22 መስከረም  2016 .

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ ኢትዮጵያ ቼክ ጉንፋዕ ዝመስል ነገር የጋጥሞም ከም ዘሎን፤ ምናልባት ኮቪድ ክኸውን ከም ዝኽእል ስግኣት ከም ዝሓደሮም ብምግላጽ ካብ መንግስቲ መብርሂ ክንሓትት ተወኪሶምና።

ኣብዚ ዙርያ ንሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሓቲትና ኣለና። ዶክተር ሊያ’ውን ነዚ ዝስዕብ መልሲ ሂባትና ኣላ።

“ጉንፋዕ ዝመስሉ ምልክታት፡ ከምኡ’ውን ንኮቪድ ዝመስሉ ምልክታት ብቐረባ ንከታተሎም ኣለና። ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናቅምሶ ወሲድና መርመራ ንገብር ኣለና። ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ብዝተሓሓዝ ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

“ናይ ጉንፋዕ ወቕቲ ድማ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2.5 ሚኢታዊ ኢንፍሉዌንዛ ከምኡ’ውን 3 ሚኢታዊ መልከፍቲ ኮቪድ ተመዝጊቡ ኣሎ። ይኹን’ምበር መልከፍቲ ኮቪድ ብቕልጡፍ ኣይወሰኸን።

“ቁጽሪ ሕሙማት ኣብ ዘለዎ እዩ ዘሎ። ሕጂ’ውን ብትንፋስ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ቀንዲ ትኹረትና ውልቃዊ ጽሬት ምሕላው እዩ። ክታበት ኮቪድ ዘድልዮም ሰባት እቲ ክታበት ወሲዶም ካብቲ ሕማም ዓርሶም ክከላኸሉ ንምዕድ”።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::