‘መረጋገጺ ምልክት ካብ ዘለዎም ኣካውንታት ወጻእ ዘለው ማሕበራዊ ሚዲያታት ኣይናተይን’ – ቴሌቪዥን ትግራይ

misleading Tigrai Tv Telegram accounts

22 ግንቦት 2015 ዓ.ም

ሽምን ኣርማን ቴሌቪዥን ትግራይ ብምሓዝ ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ኣካውንታት ቴሌግራም ከም ዘለው ተዓዚብና።

እዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ቴሌግራም ኣካውንታት ‘Tigray Television’ ከምኡ’ውን ‘ትግራይ ቲቪ Tigray Tv’ ብዝብል መጥቀሚ ሽም ተኸፊቶም ዘለው እዮም።

እቲ ‘Tigray Television’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ናይ ቴሌግራም ኣካውንት 119 ‘ሰብስክራይበርስ’ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ዝተኸፍተን ብክልላዊ ማዕከናት ዜና ዝፍነው ሓበሬታታትን ፈለጋትን ክፍኑ ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ ልዕሊ 9000 ‘ሰብስክራይበርስ’ ዘለዎ ካልኣይ መጥቀሚ ቴሌግራም ድማ፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ዝተኸፍተ ምዃኑ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ቼክ ነዚ ኣመልኪቱ ነቲ ትካል ሓቲቱ ኣሎ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ነዞም ክልተ ናይ ቴሌግራም ኣካውንታት ኣፍልጦ ከም ዘይህቦምን ከም ዘይጥቀመሎምን ዝገልጽ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ መተሓባበሪ ምክትታል ሚዲያን መርበብ ሓበሬታን ተኽለወይኒ ኪዳነ “ንሰን ናትና ኣይኰናን” ዝብል ምላሽ ሂብሉ።

“ብፍላይ እታ ልዕሊ 100 ሳብስክራይበር ዘለዋ ኣካውንት ናትና ኣይኰነትን፤ ኣይንፈልጣን’ውን። ንትካልና ኣይትገልጽን። እታ ካልአይቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ብልጽግና ዝነበረት እያ፤ ግን ካባና ወጻኢ ስለ ዝዀነት ኣይንጥቀመላን” ክብል ንኢትዮጵያ ቼክ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ “እተን ናትና መረጋገጺ ምልክት ኣለወን (ብቐንዱ ቴሌግራምን ትዊተርን ቬሪፋይድ ኰይነን እየን)። ትግራይ ቴቪዥን ዝጥቀመሉ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ’ውን ቬሪፋይድ ክኸውን ሓቲትና ኣብ መስርሕ ኣሎ” ኢሉ።

በዚ መሰረት፡ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቴሌግራም https://t.me/Tigrai_Ttv ብዝብል መላግቦ ዝርከብ ኰይኑ https://web.facebook.com/tigrai.tv1?_rdc=1&_rdr ድማ ትኽክለኛ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት፣ https://twitter.com/Tigrai_TV?t=hB7M4dlGiBI_M4gGYIZYqA&s=08 መረጋገጺ ምልክት ዘለዎ ትዊተር እቲ ትካል እዮም።

ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኢንግሊዘኛን ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝዝረቡ ቋንቋታትን ሓበሬታታት ዝፍኑ ክልላዊ ቴሌቪዥን እዩ።

ተመሳሲሎም ካብ ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዘብጽሑዎ ክሳራታትን ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::