ሽምን ምስልን ድምጻዊ ሚዛን ተስፋይ ብምጥቃም ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ዩትዩብ ቻነል

fake account

14 ሰኔ 2015 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ስነ ጥበባዊ ሚዛን ተስፋይ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ዩትዩብ ቻነላት ከም ዘለው ተዓዚብና።
እዞም ዝተፈላለየ ብዝሒ ሰዓብቲ ዘለውዎም ስኑዓት ቻላት ካብ ፍቓዱ ወጻእ ሙዚቃዊ ስራሕቲ ክልጥፉ ከም ዝጀመሩ ድምጻዊ ሚዛን ተስፋይ ንኢትዮጵያ ቼክ ገሊጹ።

ሓደ ካብኣቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ‘Mizan tesfay’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ‘ሰብስክራይበራት’ ዘለውዎ ናይ ዩትዩብ ቻናል እዩ።

ኣብዚ ቻነል ንፈለማ ግዜ እታ ትማሊ ዝተዘርግሐት ‘መገሻኹም ብሓደ ኰይኑ’ ዘርእስታ ሓዳሽ ሙዚቃ ስነ ጥበባዊ ሚዛን ተስፋይ ተጻዒኑ ይርከብ።
ካልእ 577 ‘ሰብስክራይበራት’ ዘለውዎ ‘Mizan Tesfay – Topic’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ስኑዕ ኣካውንት ዩትዩብን’ውን ምህላው ተዓዚብና።
እቲ ድምጻዊ ብሽሙን ምስሉን ዝተኸፍቱ ቻነላት ዩትዩብ ምህላዎም ብምግላጽ፡ እቲ ትኽክለኛ ቻነሉ ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት ዝኸፈቶን ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ቪድዮታት ዝተጽዓኖን ምዃኑ ጠቒሱ።

“ሕዚ ደርፍታተይ ናብኡ ክጽዕኖም ይደሊ እየ። ካልኦት ካብ ፍቓደይ ወጻእ ዝተወስዱ ደርፍታተይ’ውን ተዘራሪበ ኣውሪደ ድሕሪ ሕዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ ናተይ ዩትዩብ ቻነል ንክኸውን ክሰርሕ እየ” ኢሉ።

ትኽክለኛ ዩትዩብ ቻነል ድምጻዊ ሚዛን ተስፋይ https://www.youtube.com/@mizan_tesfay/videos ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ክልተ ሽሕን 41 ሰብስክራይበራትን 468,242 ርእየታትን ኣለዎ።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::