ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ብኸመይ ጥዕና ኣእምሮና ንከላኸል

the right to access information and the responsibility of a government

11 መጋቢት 2015 ዓ.ም

ፌስቡክ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብዝሒ ተጠቀምቲ ካብ ሞንጐ ዘለውዎ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓደ ኰይኑ ይጥቀስ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን 37 ሚኢታዊት ኩሎም ኣብዛ ዓለም ዘለው ሰባት ወርሓዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ እዮም።

እዚ ማለት፡ ቑጽሪ ንጡፋት ተጠቀምቲ ፌስቡክ ካብ ድምር ጠቕላላ ህዝቢ ቻይናን ህንድን ዝዓበየ እዩ ክብሉ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም 1000 ደቓይቕ ኣብዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ከሕልፍ እንከሎ፡ ዩትዩብ፣ ቴሌግራም፣ ኢንስተግራም ሕጂ ድማ ቲክቶክ ዝበሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ሰባት እቲ ዝበዝሐ ግዝኦም ዘሕልፉሎም ዘለው መድረኻት ኰይኖም ኣለው።

እዚኦም፡ መዓልታዊ ብዓቐን፣ ባህርን ትሕዝቶን – መዘናግዒ ጽሑፋትን ስእልታትን ክሳብ ማሕበራዊ ክብርታትን ፖለቲካዊ ሃዋህውን ሃገር ዘናግዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ዘረባታት ጽልኣትን ዝርከቡዎም -ዝፈላለዩ ሓበሬታታትን መልእኽታትን ዝዝርግሓሎም ብምዃኖም፡ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ ጸኒሖምን ኣለውን።

በዚ ምኽንያት ማሕበራዊ ሚዲያ ምጥቃም ጠጠው ዘብሉ ውሑዳት ኣይኰኑን፤ እንተዀነ እዚ ከመይ ተመሓድሮ እንተፈሊጥካ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ክትሕሉ ከም እትኽእል ሰብ ሞያ ስነ ልቦና የረድኡ።

ብቐንዱ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ምንታይ ጎዳእቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ምርዳእ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ እቲ ክውንነት ብምግንዛብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣሉታዊ ባህርያቱ ምትኳር፡ ብሃናጺ መገዲ ከመይ ጌርካ ከም እትጥቀመሉ ምምሃር ዝያዳ ትርጉም ኣለዎ።

ስለዚ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ንክጥቀም ዝመረጸ ሰብ ውሑስን ጥዑይን ባይታ ንኽኸውን ኩላትና ክንገብሮም እንኽእል ነገራት ኣለው።

  1. ማሕበራዊ መራኸቢታት እትጥቀመሉ ዕላማ ምፍላጥ

ሰባት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጥቀምሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፤ ገሊኦም ኣብ እዋን ዕረፍቲ፣ ምስ ስድራ ቤትን ፈተውቶምን ዘሕለፍዎ ግዜ ከምኡ’ውን ካልእ ፍሉይ ፍጻመታት ዝገልጹ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምጥቃዕ ይፈትው’ዮም።

ገለ ሰባት ድማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝዝትይሉ መድረኽ ገይሮም ይጥቀሙሉ። መብዛሕትኦም ግን ምስቶም ብኻልእ መገዲ ክረኽቡዎም ዕድል ዘይክህልዎም ዝኽእል ሰባት ንምርኻብ ይጥቀምሉ።

እዚ ኣወንታዊ ምኽንያታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንክንጸንሕ ድርኺት ክዀኑ ይኽእሉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት ትሕዝትኦም መዚንና ግን ግምታትና፡ ትጽቢታትናን ፍርድናን ባዕልና ከነመሓድር ኣለና።

ንኣብነት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቅዑዎ ስእሊ ምርኣይ ቅንኢ ወይ ሓዘን ዝፈጥረልና እንተዀይኑ፡ እቲ ጸገም ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒት ከም ዝዀነ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንህልወሉ ምኽንያታት ካብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ወይ ብዛዕባ ህይወትና ሕማቕ ስምዒት ዝፈጥረልና ነገራት ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ ድዩ ኣይኰነን ክትውስን ኣለካ።

  1. ስምዒታትካ ምግታእን ምዕዛብን

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለዩ ልጣፋት ስእልን ጽሑፍን ከምኡ’ውን ምስሊ ኣብ እትርእይሉ እዋን ስምዒታትኩም ምምርማር ኣዝዩ  ኣገዳሲ እዩ – ዘቕንኡ ወይ ዘሕዝኑ ስእልታት፣ ዘሕርቑ ጽሑፋት ወይ ርእይቶታት ኣብ ግምት ብምእታው- ከምኡ’ውን ኣብዞም መተግበሪታት እናተጠቐምካ እተኽልፎ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓታት ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ምግንዛብ የድሊ።

መብዛሕትኡ ምላሽ ስምዒታትካ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሉታዊ ምዃኑ እንተኣስተብሂልካ፡ ንጥዕና ኣእምሮኻ ክጐድ ዘይኽእል ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እትርእዮም ስእልታት፣ ምስልታትን እተንብቦም ጽሑፋትን ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩልካ እንተሃልዮም፡ እዚ ድማ እንተወሓደ ካብኦም ዕረፍቲ ክትወስድ ከም ዘለካ ዘመልኻት ክኸውን ይኽእል።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ስእልታት ወይ ርእይቶታት ምልጣፍ ጽቡቕ ስምዒት ዘይፈጥረልካ እንተዀይኑ ድማ፡ ስለምንታይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትጸንሕ ኣብ ግምት ኣእቱ።

እዚኦም ዋላ’ውን ንግዚኡ እንተዀነ ምእላይ ዕረፍቲ ዝህበካ እንተዀይኑ ከተስተብህለሉ ይግባእ።

  1. ብብዝሒ ክትሪኦም ዘይትደሊ ትሕዝቶታት ምፍላጥ

ኩላትና ተጻዋርነትና ደረት ኣለዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ዘረባ ጽልኣት፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ጐንጽን ናዕብን ዘለዓዕሉ ኰነ ክብሪ ካልኦት ሰባት ዝትንክፉ ትሕዝቶታት ብድሆታት ጥዑይ ባይታ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዀኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፡ በዞም ምኽንያታት ክትስዕቦም ወይ ክትመሓዘዮም ዘይብልካ ኣዕርክቲ እንተሃልዮም ካብ ዝርዝር ምሕዝነትካ ክትኣልዮም ምግባር ጥዕና ኣእምሮኻ ንምሕላው ዝሓሸ ኣማራጺ ከም ዝኸውን ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ይምዕዱ።

እዚ፡ ከም ሓደ ዓይነት ርእሰ-ሓልዮት ገይርና ክንሓስቦ ከም ዘለና’ውን የረድኡ። ንኣብነት ኣብ ህይወትና ከም ዓርኪ ወይ መጻምዲ ገይርና ክንሕዞን ክንቕበሎን እንደሊ ሰብ ንውስን ኢና።

ብቐጻሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎም ሓበሬታታትን ትሕዝቶታትን ብተደጋጋሚ ክመጽኣና ኣብ ዝገብሩ ማሕበራዊ ሚዲያታት’ውን ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት ገደብ  ገይርና እንንቀሳቐስ፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ኣብ ነብስና ሃሰያ ከውርድ ብዘይኽእል ኣገባብ ብምምራሕ ጥዕና ኣእምሮና ክሕሎ ምግባር ይክኣል።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::