ኣብ እዋን ዞባውን ዓለምለኻውን ምዕባለታት ዝፍጠር ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ንብድሆ?
4 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም
ግጉይ ሓበሬታ ማለት ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ኮይኑ ዘይተፈጸሙ ነገራት ብምምሃዝ ወይ ኣብ ሓቀኛ ፍጻመታት ዝተመርኮሱ ግን ከኣ ካብ ዓውዲ ወጻኢ ብምውሳድ (ከም ስእልታት ናይ ሓደ ሕሉፍ ፍጻመ እዋናዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ወይ ቪድዮታት ካብቲ መበቆላዊ ትሕዝትኦም ዝተፈለየ ትርጉም ክሕዙ ብምግባር ተመስሪሖም ብዝቐርቡ ቪድዮታት) ዝቐርብ እዩ።
እዚኦም ብብዝሒ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ቴሌግራም፣ ፌስቡክ፣ ኤክስ፣ ዩትዩብን ካልኦትን ንረኽቦም። ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ መንግስታዊን ናይ ውልቂን ሚዲያታት’ውን ክርአ ይኽእል እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኲናትን ካልኦት ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ከምኡ’ውን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ዝህልውሉ እዋን ብሰፊሑ ከጋጥሙ ይርኣይ።
እዘኢኦም ግጉይ ሓበሬታ ንዝውዝዑ ኣካላት ምቹኣት ኮይኖም እቲ ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ህዝቢ ልዑል ተገዳስነት ከሕድሩ ተኽእሎ ዘለዎም ወረታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ይዝርግሑ።
ከምዚኦም ዝበሉ ቅልውላዋት ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ወይ ፖለቲካዊ ድልየታት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከጋጥም ዝኽእል ምስሕሓብ ምርኩስ ገይሮም ክመጽኡ ይኽእሉ።
ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኲናትን ጎንፂታትን ኣብ ዝካየደሎም እዋን ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተመስርሐ ስእሊ ዝጥቀሙ ናይ ሓሶት ዲፕሎማሰኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ልኡኻት ሃገራት ወፃኢ ተባሂሎም ዝፍጠሩ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ከም ዝርኣዩ ይፍለጥ።
ድሩት ናጽነት ፕረስ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ወይ ሃገር ድማ ቅኑዕን ትኽክለኛን ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን ሰባት ነዞም ግጉይ ሓበሬታታት ዝኣምኑሎም ዕድላት ይሰፍሑ።
ብቐንዱ ተዋሳእቲ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ እቲ ዝደለዩዎ መልእኽቲ ንምሕላፍ ውሕሉል ስትራቴጂ እዮም ዝጥቀሙ።
እዚ ማለት ካብቲ ዒላማ ገይሮም ዝዛረብሉ ዘለው ሰዓቢ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዘኽእሎም ልዑል ስምዒታዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ይፈጥሩ።
ነዚ ስዒቦም ዝመጽኡ ከም ስግኣት፣ ስክፍታ፣ ሕርቃን ወይ ቁጥዐ ዝበሉ ዓሞቕቲ ስምዒታት ስለዝኾነ ነዚ ስምዒታት ከለዓዕል ዝኽእል ትሕዝቶ ክንርኢ ከለና ብኡ መሰረት ሰዓብቲ ነዞም መልእኽታት ዝዝርግሑ ሰባት ክዋስኡ ይውዕሉ።
ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ክንገብር ይግባእ?
- ኣብ ዝኾነ እዋን ሓበሬታ ምጽራይ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታትን ካልኦት ኣማራጺታት እንረኽቦም ሓበሬታታት ናብ ካልኦት ሰባት ምክፋልናን ኣሚንና ምቕባልናን ምንጪ እቲ ሓበሬታ እሙን እንተኾይኑ ምፅራይ ክንለምድ ይግባእ
- ግጉይ ሓበሬታ ሪፖርት ምግባር፡ ርጉፅነት ዘይብሉ ሓበሬታ ክትረኽቡ እንከለኹም ሓበሬታ ናብ ዘፃርዩ ትካላት ሪፖርት ብምግባር እቲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ክሕግዙኹም ይኽእሉ’ዮም
- ወግዓዊ ምንጪታት ሓበሬታ ምውካስ፡ መብዛሕትኦም ንዞባውን ዓለምለኻውን ምዕባለታት ዝከታተሉ ትካላት ወግዓዊ ድረገጻት ስለዘለዎም ናብኡ ብምኻድ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ምርግጋፅ ይክኣል
- ሓበሬታ ንምፅራይ ዝሕግዙ ኣገባባት ምጥቃም፡ ኣብ ኦንላይን ብርክት ዝበሉ ሓበሬታ ንምፅራይ ዘገልግሉ ኣገባባት ኣለው። ዞባውን ዓለምለኻውን ፍጻመታት ዝምልከት ሓበሬታ ንምፅራይ ከም ስኖፕስን ፋክትቼክን ዝበሉ መርበባት ሓበሬታ ሓጋዚ ተራ ኣለዎም
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::