ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ምእላይ ጐንጽን ህንጸት ሰላምን ሓጋዚ እጃም ክህልዎ ምግባር ይክኣል’

social media discussions during conflict

14 መስከረም፣ 2016 ዓ.ም

ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ብኸመይን መዓዝን ምፍላጥ ኣዝዩ ዝቐለለ ንክኸውን ኣኽኢሉ።

ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ ዘመናዊ መገዲ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኰይኑ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ክመሓላለፍን ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክተኣሳሰሩን ዝገብር መድረኽ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

እቲ መብዛሕትና ንዝተፈላለየ ዕላማ ብዝተፈላለየ ኣገባብ እንጥቀመሉ ዘለና መድረኻት ብግጉይን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ተሰኒፉ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ሰላማዊ ኣገባብ ዝርርባትን ጽልዋ ከሕድርን ጐንጺታት ክላብዑ ምኽንያት ክኸውንን ንዕዘቦ ኣለና።

ብፍላይ ምልውዋጥ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፖለቲካን ዕጡቓትን ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝምርኰዝ እናዀነ ብምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ጐንጽን ዘይምርግጋእን ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን ንኣዋርሕ ኢንተርንትን ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ምዕጻው ከም ስጉምቲ ክውሰድ ጸኒሑ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝነበረ ጐንጺታት ብዙሓት ዜጋታት ግዳያት ሞትን ምፍንቓልን ኰይኖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓለማዊ መዓልቲ ሰላም ክኽበር እንከሎ እዚ መዓልቲ ብውሑድ ን24 ሰዓታት ጐነጻዊ ዘይኰኑ ተግባራት ብምስላጥን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ብምግባር ንህንጸት ሰላም ዘጐልብቱ ሓሳባት ሰላም ብምጥንኻር ክኸበር ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ’ዩ።

እቲ ብ21 መስከረም 2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝተኸብረ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም “ተግባራት ንሰላም፡ ድልየትና #ንዓለምለኻዊ ሸቶታት” ብዝብል ቴማ ክኽበር እንከሎ ኩላትና ሰላም ንምዕባይ ንእነበርክቶ ውልቃውን ሓባራውን ሓላፍነትና ኣፍልጦ ንምሃብ ዝቐረበ ጻውዒት ነይሩ።

እዚ ብፍላይ ምስቲ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዘለና ኣጠቓቕማን ዝርግሐ ሓበሬታን ኣብ ግምት ብምእታው ክንሪኦ እንተፈቲንና ነፍሲወከፍና ጐንጺ ካብ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ርኢይቶታትን ብምቑጣብ፣ ዝርግሐ ግጉይና ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ንምንካይ ዘኽእሉ ተግባራት ብምፍጻም ንህንጸት ሰላም መሰረት ዘንጽፍ ኣበርክቶ ክህልወና ክንገብር ከምእንኽእል ንርዳእ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ሲቪክ ማሕበራት ዝርግሐ ዘረባ ጽልኣትን ግጉይ ሓበሬታታትን ጠጠው ክብል ሓቲተን ምንባረን ይዝከር።

እተን ማሕበራት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ኣብ ዘቕረብኦ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት “ዘረባ ጽልኣትን ጐንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን፡ ናዕቢ ዝተሓወሶም ጐንጺታት ዘስዕቡን ዘጋድዱን ምዃኖም ተገንዚብና ኢና” ብምባል ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦትን ግጉያት ሓበሬታታት ካብ ምውዛዕ ከምኡ’ውን ህዝቢ ብጃምላ ካብ ዝኹንኑ ወይ ጐንጺ ዘልዕሉ ኣጠቓቕማ ቋንቋን መልእኽታትን ክቐጠቡ ኣተሓሳሲበን ነይረን።

ሰላምን ጐንጽን ተመዓዳድዮም ዝኸዱ ኣካል ማሕበረ ፖለቲካዊ ቅርጺ ማሕበረሰብ ብምዃኖም ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ናብ ዝርርብ ክመጽኡ ብምግባር፣ ኣብ ዙርያ ከበድቲ ጉዳያት ዘሎ ፍልጠት ክውስኽ ብምግባርን ቅድመ መጠንቀቕታ ብምሃብን መለዓዓሊ ሰላም ብምዃን ጐንጺ ኣብ ምክልኻል እጃም ክህልዎ ምግባር ዝክኣል’ዩ።

ድሕሪ ጐንጽን ዘይምርግጋእን’ውን እንተዀነ፡ ዘመናዊ ዲጂታላዊ ሚዲያ ንህንጸት ሰላም ክሕግዙ ከም ዝኽእል መጽናዕታት የመልክቱ።

ነዚ ከም መርኣያ ኰይኑ ዝቐርብ እታ ንዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ዝተበትዐት ላይቤሪያ፡ ሕውየት ንምምጻእ ዲጂታላዊ መራኸቢ ብዙሃን ከመይ ከም ዝተጠቐመትሉ ዘርኢ ኣብነት እዩ።

ዜጋታት እታ ሃገር ዲጂታላዊ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቒሞም ዕርቂ ንምዕባይን መስርሕ ሓቂ ንምብጋስን ኣኽኢሎም። እዚ ድማ ይቕረ ምባል፣ ሕውየትን ምምዕባል ምርድዳእን ከምጽኡ ኣኽኢሉዎም።

እዚ ክኣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ግጭት ኣብ ዝህሉ ኩነታት ትርጉም ዘለዎ ሰላም ንምምጻእ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ዘገንዝብ እዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::