ብማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝመሓላለፉ ግጉይ ሓበሬታታት ጥዕና ንጠንቀቕ

social media discussions during conflict

29 ነሐሴ 2015 ዓ.ም

ከም ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ዝበሉ ጸገማት ብኸመይ ንፈትሖም? ብፍላይ ሳይንስ ተረዲእኻ ኣብ ጉዳያት ጥዕና ውሳነ ምሃብ ናይ ሞትን ሕውየትን ሳዕቤናት ክህልዎ ስለ ዝኽእል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ተበጻሕነት ማሕበራዊ መርበብን ብዝሒ ተጠቃምነት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ምህላዎም ሰባት ዝያዳ ኣብዞም መተግበሪታት ኣብ ዝዝርጋሕ  ሓበሬታ ክምርኮሱ ይገብሮም ኣሎ።

ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣቐዲሞም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክወጽኡን እቲ ዝበዝሕ ክትዓትን ዝርግሐ ሓበሬታታትን ብኡ ኣቢሉ ክፍጸምን ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሕጂ ድማ፡ ኢንተርነት ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኰይኑ ብምህላዩ ውልቀሰባት እዞም ዛዕባታት ኣብ ኦንላይን ክንመሃሮም ከም እንኽእል ይገብሩ ኣለው።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ካብ ተጠቀምቲ ዝምንጪ ትሕዝቶ (UGC) ዝበሃል ኣገባብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክልመድ ተዓዚብና ኣለና።

እዚ ዳርጋ ዝዀነ ልሙድ ኣገባብ ምቁጽጻር ጽሬት ወይ ሓቃውነት ኣቀራርባ ከምኡ’ውን ርኢይቶ ሳልሳይ ወገን ዘይብሉ ተጠቀምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑዎ ትሕዝቶ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርከብ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ሰፊሕ ሓበሬታ ብሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዘይጽሓፉ ወይ ከም ዘይዝርግሑ ይሕብር።

እዚ ድማ ኣብ ዙርያ ጥዕና ናይ ሓሶት፣ ዘይቅኑዕ ወይ መደናገሪ ሓበሬታ ንክፍኖ ዕድል ይፈጥር፤ በዚ ድማ ሕሙማት ካብ ግቡእ ክንክን ወይ ናብዮት ሕክምና ንክርሕቑ ክገብር ይኽእል።

ኵሎም ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝመሓለለፉ መልእኽታት ጥዕና ግጉያት እዮም እኳ እንተዘይተባህለ፡ ካብ ድሩት ፍልጠት ወይ ርድኢት ሕክምናዊ ቋንቋታትን ትንታነታትን ከምኡ’ውን ናይ ውዲት ትንተናታት ብዝብገስ ግን ግጉይ መልእኽቲ ክሓልፍ ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ መጽናዕታት የገንዝቡ።

እዚ ብፍላይ ኣብቲ ሰባት ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ዝደልዩሉ ጥዕናዊ ክስተታት ዘይተረጋገጹን ትሑት ተኣማንነት ዘለዎምን ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ምስ ምንካይ ክብደት ሰብነት፣ ክንክን ቈርበት፣ ናይ ወሊድ ጸገም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዝረኽቡዎ ሓበሬታ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ጥዕንኦም ጐናዊ ሳዕቤናት ዘምጽኡ ስጉምታት ክወስዱን ግዳያት ክዀኑን ይስትውዓል።

በዚ ኣገባብ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንኽተሎም ዝግባእ ቅልል ዝበሉ መምርሒታትን ማዕዳታትን ጥዕና ዝህቡ ገለ ግዱሳት ሰብ ሞያ እኳ እንተሃለው ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝርኣይ ዘሎ ዝርግሐ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታን ግን ኣብ መዳይ ጥዕና’ውን ክንጸባረቕ ከም ዝኽእል ክንዝንግዖ ከም ዘይብልና ሰብ ሞያ የዘኻኽሩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንዝዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንረኽቦ ሓበሬታ ጥዕና ተግባራዊ ቅድሚ ምግባርና ምርግጋጽ የድሊ።

ነዚ ድማ፡ ብትካላት ጥዕናን ሰብ ሞያን ዝወሃቡ ሓበሬታታት ብምክትታልን ተግባራዊ ብምግባርን ከም ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝበሉ ትካላት ዘውጽኡዎም ሓበሬታታት ምክትታል ይምከር።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::