ኣየኖት መአለሺ ወይ መጻረዪ ስእልታት ተጠቒምኩም ትፈልጡ?

poll results reverese image search tools

18 ሰኔ 2015 ዓ.ም

ኢትዮጵያ ቼክ ትማሊ “ካብዞም ዝስዕቡ መአለሺታት ወይ መጻረዪታት ስእሊ ንኣየኖት ተጠቂምኩም ትፈልጡ?” ዝብል ሕቶ ንሰዓብቱ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ ድምጺ 28 ሚኢታዊት ጉግል ኢሜጅስ፣ 23 ሚኢታዊት ጉግል ሌንስ፣ 8 ሚኢታዊት ፒንተረስት፣ 6 ሚኢታዊት ቲንኣይ፣ 3 ሚኢታዊት ያንዴክስን  ኢሎም።

እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ወይ 58 ሚኢታዊት ድምጺ ዝሃቡ ድማ መጻረዪ ስእልታት ተጠቒመ ኣይፈልጥን ዝብል ምላሽ ዝሃቡ’ዮም (ልዕሊ ሓደ ድምጺ ክህቡ ስለ ዝተገብረ እቲ ድምር ካብ 100% ይዛይድ) ።

ብድምር 416 ሰባት ድምፂ ብምሃብ ተሳቲፎም ኣለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትን ስእልታትን ንምጽራይ ዝሕግዙ መተግበሪታት ቴክኖሎጂ ኣለው።

ካብ ድረ ገጻት ክሳብ መተግበሪታት ሞባይል ብዓይነት ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ክፎክስ ዝገብሩን ሓቃውነት ሓደ ሓበሬታ ወይ ስእሊ ዘረጋግጹ መተግበሪታት ኣለው።

ካብዚኦም እቲ ሓደ  ዝዀነ ቲንአይ (TinEye) ከነላልየኩም።

እዚ መተግበሪ ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ንምጽራይ ዝጠቅም ድረገጽ እዩ።

እቲ ከነጻርዮ ዝደለና ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ረብሓ ውዒሉ እንተነይሩ፣ ኣበይን ብኸመይ መልክዑ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ክንፈልጥ ይሕግዘና።

በዚ መተግበሪ ብፎቶሾፕ ዝተናኸፉ ስእልታት ደሊኻ ምርካብ ይክኣል።

እቲ መርበብ ሓበሬታ www.tineye.com ኰይኑ፤ ኣጠቓቕምኡ ድማ እቲ ክጻረ ዝደለናዮ ስእሊ ካብ ኮምፒዩተር ወይ ቴለፎን ሓሪና ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ንእልሽ።

እቲ ዘእተናዮ ስእሊ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ብምጥቃም ቲንኣይ ካብ ኢንተርነት ካብ ሞንጐ ዝወሰዶም 45 ቢልዮን ስእልታት ይእልሸልና።

እቲ ስእልን ንዕኡ ዝመስሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ውጽኢታትን የምጽእ።

ካብቶም ዝወጽኡ ስእልታት ድማ እቲ ዝደለናዮ ሓሪና ክንሪኦ እንከለና እቲ ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓለ ክንርኢ ንኽእልን።

ዝዀነ ዓይነት ውጽኢት እንተዘይኣምጺኡ ድማ እቲ ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ረብሓ ኣይውዓለን ማለት እዩ፤ ወይ ድማ እቲ ስእሊ ኣብ መኽዝን ቲንኣይ የለን ማለት እዩ።

ቲንኣይ ዝዀነ ተጠቃሚ ብናጻ ክግልገለሉ ዝኽእል ኣማራጺ ምጽራይ ስእልታት እዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::