“ትካላት መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰናኸለ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክጅምር ሓቲቶም”

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

27 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም

  1. ዓለምለኸ ትካል መሰላት ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ሓዊሱ 47 ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ተሰናኺሉ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክጅመር ጸዊዖም። እቶም ትካላት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት “ክፉት፡ ውሑስ፡ ዘተኣማምንን ተበጻሒን” ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ቅልውላው ዘይተቛረጸ ዋሕዚ ሓበሬታ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም። ኣብ ኢትዮጵያ ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ቲክቶክን ዩትዩብን ካብ ዝዕፀዉ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ዝተዓናቐፈ ይፍለጥ።
  2. መስራቲ ኣቦ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ ሰርሖ-ብልሒ)ተባሂሉ ዝፍለጥ ዶክተር ጀፍሪ ሂንተን፡ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰሉ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክውዕሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ልዑል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ዶክተር ጆፍሪ ካብቲ ንዓመታት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ጉግል ካብ ስርሑ ድሕሪ ምልቃቑ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘስፈሮ ሓተታ እዩ ስግኣቱ ገሊጹ። ብህንጸትን ምምዕባልን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝገበሮ ኣበርክቶ ከም ዘጥዓስ ዝገለጸ ዶክተር ጆፍሪ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ግቡእ ክትትል እንተዘይተገይርሉ ንመጻኢ ዘፍርሕ ክገብሮ እዩ ዝብል ስክፍታኡ ጠቒሱ።
  1. ብራዚል ንትካላት ማሕበራዊ ሚድያን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህቡ ትካላትን ናይ ሓሶት ዜናን ካልእ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶን ንከየአንግዱ ዘገድድ ሕጊ ንምሕላፍ ትሸባሸብ ምህላዋ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ ሕጊ ሓላፍነት ምክልኻል ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ እተን ኩባንያታት ንክኸውን ከም ዝገብር ይግለጽ። ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ሕጊ ዘየኽብሩ ድማ ከቢድ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ተባሂሉ። ጉግልን ፌስቡክን ዝርከብዎም ሓያሎ ኩባንያታት እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ ምመያ ክሰፍሕ፣ ዋሕዚ ነጻ ሓሳባት ክገትእ’ዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ተገሊጹ። ጉግል ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘውጽኦ ጽሑፍ ክኣልዮ ከም ዝተሓተተ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን መላግቦታት ቴሌግራምን

– ኣብ ናይ ሰኑይ መልእኽቲ ጸለውቲ ኣብ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘለዎም እጃም ዝምልከት ሓበሬታ ብትግርኛ ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1985

– መረጃ ቲቪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክወሃብ’ዩ ብዛዕባ ዝተባህለ ክታበት ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣጻሪና

https://t.me/ethiopiacheck/1987

– ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝተኣወጀ ዝገልጹ ሓበሬታታት እውን ኣጻሪና

https://t.me/ethiopiacheck/1988

https://t.me/ethiopiacheck/1989

– ፌስቡክ ተዋዛዪ እሸቱ ከም ዝተጠለፈ ዝገልጽ ሓበሬታ

https://t.me/ethiopiacheck/1990

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::