እጃም ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝርግሐ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ

23 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም
ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው ኣብ ኢትዮጵያ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዀኑ ውልቀሰባት ግጉይ (false information) ከምኡ’ውን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምውዛዕ ሰፊሕ እጃም ኣለዎም ተባሂሉ ክንቀፉ ይስትውዓል።
እዞም ኣፍረይቲ ዝተፈላለዩ ትሕቶታት ዝዀኑ ጸለውቲ ድማ ብብዝሒ ማእለያ ዘይብሎም ሓበሬታታት ዝህቡን ኣጀንዳታት ዝቐርጹን እዮም።
ነዚ ስዒቡ ንመዓልታዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝሽፍን ንጡፍ ስነ ማሕድሮ ዜና ኦንላይንን ማሕበራዊ ሚዲየን እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
እዞም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ኣብ ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዩትዩብን ካልኦት ዲጂታላዊ ኣማራጺታትን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎም ብምዃኖም ኣብ ስነ ማሕድሮ ፖለቲካን ዝርግሐ ሓበሬታን ብሰፊሑ ክነጥፉ ይርኣዩ።
ብፍላይ ድማ መናእሰይ ዝርኸቡዎም ዜናታት (ዳርጋ) ብማሕበራዊ ሚዲያ ጥራይ ኣቢሎም ዝሃልኹ ስለ ዝዀኑ ናይዚኦም ሓበሬታ ኣብ ምክፋል ዘለዎም ተራ ዝያዳ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ዜና፣ ግጉይ ሓበሬታን ዘረባ ጽልእን ኣብ ስነ-ማሕድሮ ሚድያ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኦንላይንን ዲጂታላዊ ሚዲያን ሰሲኑ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት የመልክቱ።
እዚ ኣብ ግዜ ጐንጽን ኲናትን ጐሊሑ ዝርኣይ ኰይኑ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ውሽጣዊ ጐንጽታት ንምፍታሕን ዴሞክራሲ ንምህናጽን ዝቃለሳ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዘለዋሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ስነ-ማሕድሮ ሓበሬታ ዝፈጥሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን።
ጐንጽን ዘይምርግጋእን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት እታ ሃገር ተሞርኲዞም በዞም ጸለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ኣብ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት፡ ግጉይ ስእልን ምስልን፣ ካብ ዓውዲ ወጻእ ዝዀኑ ሓበሬታታት፣ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት መጥቃዕቲ ክፍጸም ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ክሓልፉ ይስትውዓል።
ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ ሓበሬታታት ብውሑድ ኣስታት ዓሰርተ ግጉያት ሓበሬታታት ብዩትዩብን ናይ ፌስቡክ ገጻትን ከም ዝተመሓላለፉ ኣረጋጊጹ እዩ።
ጸለውቲ ካብ ሞንጐ ሰዓብቶም ልዑል ተኣማንነት ዝኸሰቡ ስለ ዝዀኑ ድማ ነቲ ብልሙድ መገዲ መራኸቡ ብዙሃን ዝቐርብ ሓበሬታታት ብምድኻም፡ ኣመለኻኽታን እምነትን ሰዓብቶም ይቐርጹ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ሃገር ዝኽሰቱ ዘለው ብሄር ተኰር ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ንዝህልዎም መርገጺ ይጸልው ኣለው።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኰነ ኢልካ ናይ ሓሶት ወይ መደናገሪ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣብ ጸጥታ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር፣ ዴሞክራስን ናጽነትን ሰባት ከቢድ ሓደጋ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ኢትዮጵያ (ከም ኣ.ኤ ክሳብ ጥሪ 2020) 21.14 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርነት ከም ዘለዉዋ እኳ እንተተገመተ፡ ብዙሓት ውልቀሰባትን ትካላትን ኣብ ፌስቡክ ጥራሕ ብውሑድ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተኸታተልቲ ከም ዘለዎም ይግመት።
ጸለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ብንቕሓት ወይ ብትሕተ-ንቕሓት ንናይ ሓሶት ሓበሬታ ወፍሪ ከደልድሉ ስለ ዝኽእሉ፡ ከም መራሕቲ ህዝባዊ ርእይቶ መጠን ኣብ ምቅላስ ግጉይ ሓበሬታ ፍሉይ ሓላፍነት ክስከሙ ከም ዝግባእ ኣብዚ ዙርያ መጽናዕቲ ዘካየዱ ትካላት የገንዝብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝርግሐ ዘረባ ጽልእን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ኣዋጅ ከም ዘውጽአት ይዝከር።
እዚ ሰባት ሓሳቦም ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ክጥቀሙ እንከለዉ ጎንጺ፣ ናዕቢ ወይ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ጾታ ወይ ከዓ ኣካላዊ መጉዳእቲ መሰረት ገይሩ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ወይ ከዓ ጉጅለ ጽልኢ ወይ ኣድልዎ ካብ ዘስርጽ ዘረባ ንክቑጠቡ ዝወጽአ ኣዋጅ እዩ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::