ናይ ሓሶት ዕድላት ስራሕ’! ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝመጽኡን ዘጠራጥሩን ዕድላት ስራሕ ብኸመይ ይፍለዩ?

ስራሕ

04 ጳጉሜ 2015 ዓ.ም

ማሕበራዊ መራኸቢታት ኩለ መዳያዊ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝዝተየሎም ካብ ምዃን ሓሊፉ መዓልታዊ ዕድላት ትምህርቲ፣ ስራሕ ከምኡ’ውን ገንዘብ ብዝተፈላለየ መገድን ዓቐንን ዝግለጸሎም መድረኻት ኰይኖም ኣለው።

እዞም ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ናይ ወጻኢ መገዲ ኣየራት፣ ባንክታትን ካልኦት ዓበይቲ ሞያዊ ጠለባትን ዘለዎም ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ድረ ገጻት ይዝውተሩ።

እዚ ድማ እቲ ዲጂታላዊ መልክዕ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ምድላይን ምምልካትን ከቢድ ጻዕሪ ዘይብሉ ክኸውን ገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንጸባረቑ ምትላላት ዕድላት ስራሕ (Job scams) ዝያዳ ልሙዳት ይዀኑ ብምህላዎም ነቲ ወትሩ ኣብቲ እንሓልሞ ስራሕ ንምብጻሕ ሓሓሊፉ ናይ ሓሶት ስራሕ ክዀኑ ዝኽእሉ ምልክታት ዕሽሽ ንብሎም ኢና።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ወከልቲ ኩባንያታት ኢና ዝብሉ ሰባት ናይ ወጻኢ ቁጽሪ ስልኪ ገይሮም መልእኽቲ ይልእኹን ኣዝዮም ዘህርፉ ዕድላት ስራሕ ከም ዘለው ይነግሩኻን።

ብኻልእ ወገን ድማ ‘ወርሓዊ ብውሑድ 25 ሽሕ ብር ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም’ ዝብል መልእኽቲ ብፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ዋትሳፕ ወይ ካልኦት ማሕበራዊ መተግበሪታት በጺሑኩም ክኸውን ይኽእል። ሓሓሊፉ ንፎከስቲ ዕማማት ዝፍጸም ክፍሊት ብዶላር ምዃኑ ክነግሩኻ ይኽእሉ።

ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ደለይቲ ስራሕ ድማ ብቐጻሊ ዒላማ እዞም ነዚ መገዲ ተጠቒሞም ምትላላት ዝፍጽሙ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

እንተዀነ ሓድሽ ስራሕ ዝደሊ ሰብ ነዞም ምትላላት እዚኦም ብዝበለጸ ንምክልኻል ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ።

እቲ ሕቶ ግን ኣብ ሞንጐ ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ዕድላት ስራሕ ዘሎ ኣፈላላይ ብኸመይ ንፈልዮ? ንምእማኑ ዘጸግም ዘሀንጡ ናይ ስራሕ ዕድልኸ ብጌጋ ከም ዘይንነጽጐ ብኸመይ ንፈልጥ? ዝብል እዩ።

ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝመጽኡን ዘጠራጥሩን ዕድላት ስራሕ ብኸመይ ንፈልዮም?

  1. መብዛሕትኦም ናይ ሓሶት ዕድላት ስራሕ ትምህርትን ተመኩሮን ኣይሓቱን። ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንምስሓብ፡ ብፍላይ ድማ ትምህርቲ ዝወድኡን ሓደስቲ ተመረቕትን ንምስሓብ ስለ ዝደልዩ ነቶም ስራሕ ንምርካብ ዘድልዩ ረቛሒታት ኣዝዮም ዝተሓቱ ክዀኑ’ዮም ዝገብሩ።
  1. ገንዘብ ዝሓቱ እንተዀይኖም ድማ ክንጠራጠሮም ይግባእ። እቲ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ዝምልምል ዘሎ ኣካል ገንዘብ ከም ውሕስነት ክትከፍል ወይ ኣብ መስርሕ ቃለ መሕትት ጥራይ ክትሳተፍ እንተሓቲቱካ ግዜ ምብኻን ኣየድልን፤ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት መታለሊ’ዩ። ዝዀነ ፍሉጥን ሰራሕተኛታት ዝቘጽርን ትካል ንክትጽንበሮ ኣቐዲሙ ክፍሊት ክፍጸም ኣይሓትትን።
  1. ካብ ሞያዊ ብቕዓትን ክእለትን ንላዕሊ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታታት (ማለት’ውን ሕሳብ ባንኪ፣ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ) ዝሓቱ እንተኰይኖም ጸገም ምህላው ክንግንዘብ ይግባእ። ምኽንያቱ ኩባኒያታት መስርሕ ቁጻር ሓሊፍካ እቲ ዝተባህለ መደብ ስራሕ ምስ ተዋህበካን ናብቲ ትካል ምስ ተጸንበርካን ጥራይ’ዮም ባንኪ ሕሳብ ዝሓቱ።

ስለ ዝዀነ ድማ ዝዀነ ብሽም ዝተፈላለዩ ትካላት ዝወጽኡን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑን መወዓውዒታት ዕድላት ስራሕ ዘይኰነ ናብ መርበብ ሓበሬታ (Website) እቲ ብሽም ዝተረቑሐ ትካል ብምኻድ ብወግዒ በቲ ትካል ዝወጽኡ ዕድላት ስራሕ እንተለው ከተረጋግጹ ይግባእ።

ንምዃኑ ምትላል (Scam) እንታይ’ዩ?

ገበነኛታት ንሓደ ብሽም ዝፍለጥ ትካል መገዲ ኣየር፣ ባንክ፣ ሚዲያ ወይ ካልእ ትካል መሲሎም ብምቕራብ ሓቃዊ ኣብ ዝመስሉ ኣብ ናይ ሓሶት መርበባት ሓበሬታን ማሕበራዊ ሚዲያታትን ይዝርግሑ እዮም።
እዚ ንመብዛሕትና ስራሕን ገንዘብን ክንረክብ ሃንቀው እንብል ሰባት ትኽክል መሲሉ የታልለና።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ገንዘብ፣ ዝርዝር ባንክ ወይ ካልእ ውልቃዊ መለለዪ ሓበሬታ ክሓቱ ይኽእሉ።
እዞም ምትላላት ዝያዳ ዝተራቐቑ ኰይኖም ከም ሕጋዊ ምንቅስቓሳት ምልመላ ስራሕ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ሳልሳይ ወገን መርበብ ሓበሬታታት፣ ማሕበራዊ ሚዲያ ወይ ብቐጥታ ብኢመይል ክኣ ይመጽኡ።
እዚ “ምትላል ምልመላ” ስራሕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለመደን እናወሰኸን ይመጽእ ኣሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::