ኣብ እዋን ጐንጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበሩ ልዝባት እንታይ ክመስሉ ይግባእ?

social media discussions during conflict

08 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ እዋን ጐንጺ፣ ቅልውላውን ኲናት ሓድሕድ ኣገዳሲ ተራ ካብ ሞንጐ ዝጻወቱ መድረኻት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኻየዱ መጽናዕታት ማሕበራዊ ሚዲያ ጐንጺ ንምልዕዓል፣ ዘረባ ጽልኣት ንምውዛዕን ግጉይ ሓበሬታታት ንምሕላፍን ከም መባእታዊ መገዲ ምጥቃም ምውሳኹ የርእዩ።

ጐንጺ እናሰፍሐ ክኸይድ እንከሎ ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበሩ ልዝባት ስምዒታዊ፣ ርህራሄ ዝረሓቘም፣ ዘይሻራዊ ከምኡ’ውን ቁጥዐ ዝዛየዶም ክዀኑ ይስትውዓል።

ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ዝምዕብል ፕሮፖጋንዳን ድሩትነት ዋሕዚ ሚዛናዊ ሓበሬታን ድማ ሰፊሕ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ፣ ዘረባ ጽልኢ፣ ዝንቡዕን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ይውስኽ።

ዋላ’ውን ኩሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝለዓሉ ዘይምርግጋኣት ማዕረ ትኹረት ዘይረኽቡ እንተዀኑ ብ2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ) ኣብ ዝተኻየደ ቀውዒ ዓረብ ብፍላይ ድማ ፌስቡክን ትዊተርን ናዕበኛታት ንምልዕዓልን ብዙሓት ዝስዕቡዎ ሓሳባት ንምድፋእን ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓሉ ይጥቀስ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ኣብ ሞንጐ ብዓሌት፣ ሃይማኖትን ጾታን ዝፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበሩ ልዝባት ብዝፈጥሩዎ ስነ ልቦናውን ፖለቲካውን ጸቕጢ እቶም ሰባት ብሓበሬታ ንምቅርራብ ዝተምሃዙ መድረኻት ማሕበራዊ ተገባብሮ ሕብረተሰብ ክቕየር ጽልዋ ከሕድሩ ምኽንያት ይኸውን።

ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ዝምዕብል ዘረባ ጽልኢ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጥታ ናብቶም ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ እዋናት ግዳያት ዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘቕንዐን ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ወይ መጻኢ ሓንቲ ሃገር ቅቡልነት ከም ዘይብሎም ንክስምዖም ዝገብር ዝንባለ ከም ዘለዎ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት የመልክቱ።

ይኹን’ምበር እዞም ዝተፈላለዩ ድምጺታት ወይ ሓሳባት ከምኡ’ውን ድልየታት ብዝተፈለየ መገዲ ክስምዑ ዝገብሩ ማሕበራዊ መድረኻት መትከላት ምክእኣልን ምክብባርን ዘቐድም ኣጠቓቕማ ክህልዎም ከም ሜታ ዝበሉ ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ይምዕዱ።

ንፖሊሲታቶም ዝጥሕሱ ዘረባታት ጽልኣት፣ ግህሰት፣ ምፍርራሕን ካልኦት ሓደጋ ከስዕቡ ዝኽእሉን ትሕዝቶታት ክኣልኡ እንከለው እቶም መትከላት ዘይጥሕሱ ግን ድማ ብዘይሻራዊ ኣጻረይቲ ሓቂ ግጉያት ዝተባህሉ ሓበሬታታት ተበጻሕነቶም ክንኪ ከም ዝድርቱ ይገልጹ።

ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ እዋን ጐንጺ ዘጉሃሃሩ ጐዳእቲ ልዝባት ወይ ሓሳባት ንምትራፍ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምኽንያታዊ ኣጠቓቕማ ክህሉ ይግባእ ንብል።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::