መረጋገጺ ትኽክለኛ ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያን ቻነላትን እንታይ’ዩ?

 

social media discussions during conflict

05 ሰኔ 2015 ዓ.ም

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርክት ዝበሉ ሓሳባት፣ መልእኽታትን ሓበሬታታትን ብቨርቹዋል ኔትዎርክታት ኣቢሉ ዘብጽሕ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ሚዲያ እዩ።

እዚኦም ብደረጃ ዓለም ዓብዪ ስሕበት ዘለዎም ክዀኑ እንከለው፡ መተግበሪታት ሞባይል ድማ ብቐሊሉ ክርከቡ ዝኽእሉ ገይሮም ኣለው።

ትዊተር፣ ፌስቡክን ዪትዩብን ድማ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝዝርሑሎም ዘለው መድረኻት ኰይኖም፡ ‘እዚ መልእኽቲ ዘብጽሕ ዘሎ ኣካል ግን ትኽክለኛ ድዩ?’ ኢልኩም ዝተጠራጠርኹምሎም ጊዜያት ክህልው ይኽእሉ’ዮም።

ምጥርጣርኵም ጽቡቕ ኰይኑ እናሃለወ፡ ዚያዳ ቅኑዕን ተሓታትነት ዘለዎን መልእኽቲ ንክትረኽቡ፣ ግዳይ ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ኣካውንታትን ዘሕልፉዎ ናይ ሓሶትን ዘረባ ጽልኣትን ካብ ምዃን ንምድሓን፡ ሓደ ኣካውንት ዝተረጋገጸ (verified) ድዩ ኣይኰነን ዝብል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ዝተረጋገጹ ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያ መብዛሕትኡ ግዜ ሰማያዊ ምልክት ዝግበረሎም ኰይኑ፡ እዚኦም ምልክታት ኣብ ኦንላይን ዘሎ ጽልዋን ተኣማንነትን ኰይኖም ኣለው።

‘ሰማያዊ ምልክት’ ትዊተር ኣብ መጀመርታ እዋናት (ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ2009 ዓ.ም) ዘጋጠሞ ጸገም ናይ ሓሶት ኣካውንታት ዘንቀሎ እዩ። ኣብቲ እዋን ተፈታውነት ትዊተር እናዓበየ ብዝኸደ ቑጽሪ ብዝሒ ናይቶም ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ክበዝሕ ጀሚሩ።

እዚ ንፍሉጣትን ጸለውትን ውልቀሰባትን ትካላትን ብምሃብ ዝተጀመረ መስርሕ ሕጂ ንትዊተር ሓዊሱ፡ ማሕበራዊ ሚዲያታት ፌስቡክ፣ ኢንስተግራም፣ ቲክቶክን ካልኦትን መረጋገጺ ምልክት ንኩባኒያታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ጸለውቲ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ሰብ መዚ መንግስትን ዝሓወሰ እዩ።

እዚ ድማ፡ ሓደ ሓቀኛ ኣካውንት ካብ ብሽምን ምስል ወይ መለለዪ ኣርማን ውልቀሰባትን ትካላትን ዝኽፈቱ መብዛሕትኡ ግዜ ግጉይ ሓበሬታ ንምውዛዕ ዝውዕሉ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ብቐሊሉ ንምፍላይ ኣኽኢሉ ኣሎ።

ስለዚ፡ መረጋገጺ (verification) ብኸመይ ይርከብ?

ኣብ ትዊተር፡ ሰማያዊ ምልክት ንምርካብ ዝተመዝገቡ ኣካውንትታ ጥራይ እቲ መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ብቑዓት ክዀኑ እንከለው ሓደ ኣካውንት ዝርኣይ ሽምን ምስልን ክህልዎ፣ ንጡፍ ተጠቃሚ ክኸውን፣ ዘየደናግር ክኸውን ከምኡ’ውን ስእሊ ወይ መጥቀሚ ሽም እቲ ኣካውንት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐየረ ክኸውን የብሉን ዝብሉ ረቛሒታት ኣለውዎ።

ትዊተር ዋና ሓደ ኣካውንት ንከረጋግጽ እቲ ኣካውንት ዝተረጋገጸ ኣድራሻ ኢ-ሜይል ወይ ቍጽሪ ስልኪ ክህሉ ይጠልብ።

ፌስቡክ’ውን፡ ንዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ትካላትን መረጋገጺ ምልክት ዝህብ ኰይኑ እዚ ናብቲ ሕቶ መረጋገጺ ‘ሰማያዊ ባጅ’ ዝቐርበሉ https://www.facebook.com/business/learn/lessons/verify-facebook-instagram-account ገጽ ብምኻድ እቲ ኣገልግሎት ምርካብ ይክኣል።

ኣብዚ፡ ፌስቡክ እቲ እትደልዮ ዓይነት መረጋገጺ ክትመርጽ፣ ዘለኻሉ ሃገር፣ ቅዳሕ መለለዪ መንነት፣ ዝርዝር መብርሂ እቲ ኣካውንት ክረጋገጽ ዝደለኻሉ ምኽንያት ከተቐምጥ ትሕተት።

ውልቀሰባት ፍቓድ መዘወሪ መኪና ወይ ካልእ ብመንግስቲ ዝተዋህበ መለለዪ ወረቐት ክጥቀሙ ይኽእሉ። እቲ ኣካውንት ናይ ንግዲ እንተዀይኑ ግን፡ ምስክር ወረቐት መጣየሲ እቲ ትካል፣ ቁጽሪ ስልኪ ከምኡ’ውን ሰነዳት ግብሪ ከቐርብ ክሕተት ይኽእል እዩ።

ኣብ ኢንስተግራም መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ዝሓቱ ውልቀሰባትን ትካላትን’ውን ውን በዞም ረቋሒታት ዝግዝኡ ይዀኑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ጸላዊ ይኸውን ዘሎ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲክቶክ’ውን ብተመሳሳሊ ዝተረጋገጸ ኣካውንት ምዃኑ ንምፍላጥ ኣገልግሎት ሰማያዊ ምልክት ዝህብ ኰይኑ እዚ ብፍላይ ፍሉጣት ሰባትን ትካላትን እምስ ሰዓብቶም ምትእምማን ንከማዕብሉን ግልጽነትን ንክህሉን ሓጋዚ ምዃኑ ይገልጽ።
ቲክቶክ ብቑጽሪ ሰዓብቲ መረጋገጺ ምልክት ኣይህብን።

ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሒታት ግን እቲ ኣካውንት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጡፍ እንተነይሩ፣ ትኽክለኛ ሽም፣ ምስልን እንተውሓደ ሓደ ቪድዮን ይጠልብ።

እዚ ኣብ ‘Settings and privacy’ ብምእታው ‘Manage account’ ብምምራጽ ‘Verification’ ዝብል መማረጺ ይርከብ።
እቲ ኣካውንት ዝተመዝገበሉ ናይ ንግዲ እንተዀይኑ ንዕኡ የመልክት፤ እቲ ኣካውንቲ ውልቃዊ እንተዀይኑ ድማ ውልቃውን ትካላውን መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ከመልት ይኽእል።

ትዊተር ኣብ ቀረባ እዋን ሰማያዊ መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ወርሓዊ ክፍሊት ሸሞንተ ዶላር ክሓትት ክጅምር እንከሎ፡ ሜታ’ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣይፎን ስልኪ ዝጥቀሙ ተጠቀምቲ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ወርሓዊ ክፍሊት ክሓቶም ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::