ኣብ ኢንተርነት ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ሓበሬታ ንምርካብ እንጽገመሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
25 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም
ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለየ ምንጪን ኣረዳድኣን’ዩ ዝነቅል። ማሕበራዊ ሚዲያ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሰባት ከም ምንጪ ሓበሬታ ዝጥቀምሉ ዘለው መድረኽ’ዩ።
ኣብዚ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ሓሳብን ርኢይቶትን ዘለዎም ሓሳባት ጥራይ ትረኽቡ እንተሃሊኹም ግን ‘ኢኮ ቻምበር’ ተባሂሉ ዝፅዋር ነገር ኣጋጢሙኩም ኣሎ ማለት’ዩ።
‘ኢኮ ቻምበር’ ሓደ ሰብ ንውልቃዊ ሓሳባቱ ዘንፀባርቕን ዘራጉድን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ርኢይቶ ጥራይ ክርእየሉ ወይ ክሰምዓሉ ዝኽእል ሃዋህው ክገጥሞ እንከሎ እዩ።
እዚኦም ግጉይን ዝንቡዕን ሓበሬታ ክፍጠር ከምኡ’ውን ኣረኣእያ ሓደ ሰብ ክጥምዝዙን ስለዝኽእሉ ተፃረርቲ ሓሳባትን ኣረኣእያታትን ኣብ ግምት ንምእታው ክፅገም ክገብሩዎ ይኽእሉ።
በዚ መገዲ እንረኽቦም ሓበሬታታት ገለ ሻራውነት ዘለዎም ክኾኑ እሞ ንኣተሓሳስባናን እምነትናን ብምፅላው ግጉይ ርድኢትን ዝንባለን ክንሕዝ ይገብሩ።
ኣብ ኢንተርነት ብቐሊሉ ምስ እትሓስቦ ወይ ክትብሎ እትደሊ ነገራት ዝመሳሰል ርድኢት ዘለዎም ሰባት ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኢት ምንጪታት ኢና ንረኽቦም።
ብተወሳኺ ኢንተርነት ‘ፊልተር ባብል’ ዝተባህለ ብኣልጎሪዝማት ዝፍጠር ንእንጥውቖም ነገራት ዝከታተል ኣልጎሪዝም ኣለዎ።
ከም ፌስቡክ፣ ኤክስን ኢንስተግራምን ከምኡ’ውን ጉግል ዝበሉ ዓይነት ክትርእዩዎ ዝደልይኹም ትሕዝቶ ዝውስን ዝተሓላለኸ ኣልጎሪዝም እዮም ዝጥቀሙ።
እዞም ኣልጎሪዝማት ንሕሉፍ ባህሪያትኩም፣ ዝፈተኹዎም፣ ናብ ካልኦት ዘካፈልኩምዎም [ሼር ዝገበርኩምዎም]፣ ርኢይቶ [ኮሜንት] ዝሃብኩምሉ ምርኩስ ይገብሩ።
እዚኦም ንዝንባለታትኻ ብምምማይ ነቲ ድልየት ዘርኣኻሉ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ጥራይ ብምድፋእ ኣብ ኦንላይን ሓደሽቲ ሓሳባትን ርድኢታትን ንከይትረክብ ይዓግቱ።
ነዚ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ብደረጃ ሓሜት ወይ ሙሉእ መርትዖ ከይሓዘ ዝቐርብ ዘሎ ድዩ? ኣብዚ ኮነ ተባሂሎም ዝተሓደጉ ሓቅታት ኣለው’ዶ? ንዝብሉ ልዑል ጠመተ ብምግባር ከነለልዮም ንኽእል።
ብተወሳኺ ኩል ግዜ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ እትደልይሉ እዋን ካልኦት ምንጪታት ሓበሬታ ምውካስ፣ ካብቲ ናትኩም ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ምስ ዘለዎም ሰባት መርትዖ፣ ትዕግስትን ሓልዮትን ጌርኩም ክትዘራረቡ ምፍታን ምልማድ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ክሕግዘኩም ይኽእል።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::