ሓደ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ንክዝርጋሕ ምኽንያት ዝኸውን እንታይ እዩ?

22 ለካቲት፣2015

ኢትዮጵያ ቼክ ትማሊ “ሓደ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክዝርግሓሉ ዝኽእል ምኽንያት ኣየናይ ክኸውን ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ንተኸታተልቱ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ነዚ ሕቶ 883 ሰባት መልሲ ክህብሉ እንከለው ነቲ ሓበሬታ ዝወዝዐ ኣካል ፍሉጥ ሰብ እንተዀይኑ (ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎ) 14%፣ እቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ እንተዀይኑ 13% ከም ዝኸውን ርኢይቶ ሂቦም።

ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ ዝተጋነን ስምዒት ሰባት ዘለዓዕልን እንተዀይኑ 11%፣ እቲ ሓበሬታ ብዝተመስርሐ ስእልን ምስልን ዝተደገፈ እንተዀይኑ ድማ 5%፣ እቲ ሓበሬታ ብሚድያ ክቀርብ እንከሎ 3% ከምኡ’ውን 54% ኩሎም መልሲ እዮም ዝብል መልሲ ሂቦም።

ብዙሓት ሰባት ከም ዘመላኸቱዎ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብሙሉኦም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ንክውዛዕ ምኽንያት ናይ ምዃን ሰፊሕ ዕድል ኣለዎም።

ብፍላይ ፖለቲካዊ ዘይምርጋገእ ወይ ጐንጺ ክህሉ እንከሎ በብሰዓቱ ዝፍጠሩ ክስተታት ንምፍላጥ ህንጡዋት ንኸውን።

ነዚ ህንጡውነት ንምርዋይ ሓበሬታ ክንረኽበሎም ንኽእል ኢልና ናብ እንሓስቦም ማሕበራዊ ሚዲያታት፣ ቻነላት ወይ’ውን ሚዲያታት ሃሰስ ምባልና ኣይተርፍን።

በዚ ኣጋጣሚ ንኣጻወድቲ ክሊክ (clickbaits) ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣጻወድቲ ክሊክ ንስምዒትና ዝቐረበ፣ ህንጡውነት ዘለዓዕል፣ “ኣይትሕለፉኒ” ዝብል ርእሰ ዜና (headline) ከምኡ’ውን ብዝግባእ ዝተመስርሐ ስእሊ ብምጥቃም ነቶም ፈለጋት ክንኽተል ወይ ቪድዮታት ከፊትና ክንርኢ ዝደፋፍኡ ገጻትን ቻነላትን ኰይኖም ናብ ውሽጢ ኣቲና ትሕዝቶኦም ክንሪኦ እንከለና ግን ምስቲ ርእሰ ዜና ዘይራኸብ፣ ምንጪ ዘይብሉን ካብትን ካብትን ዝተለቐመ ኰይኑ ንረኽቦ።

ኣጻወድቲ ክሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዩትዩብ ብብዝሒ ዝርከቡ ኰይኖም መብዛሕትኦም ዕላምኦም ብዙሕ ሰብስክራይበርን ርኣይን ብምስሓብ ገንዘብ ምርካብ ኰይኑ ካልኦት ፖለቲካዊ ዕላማታት ንምስኻዕ’ውን ይጥቀሙሉ’ዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ምንጪ ትሕዝቶኦም ዘይጥቀስ፣ ዝተጋነነን፣ ርትዓውነት ዝጐደሎ ከምኡ’ውን ሻራዊ ኰይኑ ንረኽቦ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዝርግሐ ዝንቡዕ ሓበሬታ ዓብዪ ብጽሒት ሒዞም ንረኽቦም።

ስለ ዝዀነ ድማ ብኣጻወድቲ ክሊክ ቻነላት ዩትዩብ ወይ መርበባት ሓበሬታ ዝቐርቡ ሓበሬታታት ቅድሚ ምእማንናን ናብ ካልኦት ቅድሚ ምክፋልናን ደው ኢልና ክንሓስብ ይግባእ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::