ግጉይ ሓበሬታ ንክንኣምን ዝገብሩና ስነ-ልቦናዊ ድርኺታት እንታይ’ዮም?

ግጉይ ሓበሬታ ንክንኣምን ዝገብሩና ስነ-ልቦናዊ ድርኺታት እንታይ'ዮም?

ጥር  8፣  2016 .

ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ብዙሓት ፍጻሜታት ጎናዊ ጽልዋታት ከሕድር ዝጸንሐን ዘሎን ብድሆ ርጡብን ተኣማንን ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድላት እዩ።

ኣብ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ምእማን ድማ ብዛዕባ ሓደ ነገር ዘይምኹንይ ርድኢትን ውሳኔታትን ክህልወካ ካብ ምግባር ብዝሰገረ ሰባት እቲ ስሕተት ምስ ትኣረመ ኣብ ዝህልዎም ምኽንያታውነት ዝተናውሐ ጽልዋ እዩ ዘለዎ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝተፈላለዩ መራሕቲ ነቲ ዝደለዩዎ ዓላማ ንምስኻዕ ከም ሬድዮ፣ ሕትመትን ሲነማን ብምጥቃም ብዝሰርሑዎም ፕሮፖጋንዳታት ንኣተሓሳስባን ውሳኔታትን ሕብረተሰብ ይጸልው ከም ዝነበሩ ይእመን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ትሕተ ቕርጺ ዲጂታላዊ ኣማራጺታትን ተበጽሕነትን ዓብዩ ብምህላዩ ኣብ ኢንተርነት ዝውዝዑ ነገራት ብቕልጡፍ’ዮም ናብ ብዙሓት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝበጽሑ።

ይኹን’ምበር ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ምእማን ምስ ምዕባይ ዝርግሐ ቴክኖሎጂ ጥራይ ዝምኽነ ኣይኮነን።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብፍላይ ኣብ ምጽራይን ምርግጋጽን ሓቃውነት ሓበሬታታት ዝሰርሑ ኣካላት ቕቡልነት ግጉይ ሓበሬታ ክድርቱ ዝኽእሉ ስረሓት መዕበዪ ግንዛበ የቕርቡ’ዮም። እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ኣይኮኑን።

ስለዚ ብግጉይ ሓበሬታ ንክንኣምን ዝገብረና ስነ-ልቦናዊ ድርኺት እንታይ እዩ?

ሓሓሊፉ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ምስ ናይ ሰባት ዓቕሚ ምግንዛብ ወይ ርድኢት ከምኡ’ውን ሕጽረት ርጡብ ሓበሬታ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ዝተማልአ ትንታነን መብርሂን ሓቅታት ብምሃብ ክብዳህ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ገለ ሰባት ካብ ውልቃዊ ስግኣት ወይ ፍርሒ፣ ካብ ውልቃዊ እምነት ወይ ክብርታት ብዝምንጪ ምኽንያታት ነቲ ውሁብ ዝኾነ ነገር ምቕባል ክጽገሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብዚ ዙርያ ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊን ስነልቦናውን ረቋሒታት ብዛዕባ ሓደ ነገር ግጉይ እምነት ክትሕዝ ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ።

ንኣብነት ብተዳጋጋሚ ንትንታነታት ውድቀት ተቓላዒ ዝኾነ ሰብ ግዳይ ምእማን ግጉይ ሓበሬታ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ብባህሪኡ ሓደ ነገር ክደጋገም እንከሎ ሓቂ ናይ ምምሳል ተኽእሎኡ ልዑል ስለዝኾነ እዩ።

ካብዚ ብዝብገስ ክእለት ትንተናዊ ኣተሓሳስባ ዘይምህላው፣ ምንጪ ሓበሬታኻ ምርሳዕ ወይ ዕሽሽ ምባል ከምኡ’ውን ከም ሙሁራት፣ ጉጅለታትን ስምዒታትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ድርኺታት መንቀሊ ምእማን ግጉይ ሓበሬታ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

እቲ ሓሳብ ንእትሓስቦ ምስ ዝመስል ምእማን ምብዝሑ ድማ ካልእ ምኽንያት እቲ ስነልቦናዊ ዝንባለ ምዃኑ ገለ መጽናዕታት የአንፍቱ።

ንኣብነት ሓደ ሓበሬታ ምስቲ እትደልዩዎ ወይ ዝሓዝኩምዎ ኣመለኻኽታ ዝመሳሰል ኮይኑ ክትረኽቡዎ እንከለኹም ነቲ ሓበሬታ ትኣምኑዎ እንተኾይንኹም ማለት እዩ።

ካብዚ ወጻእ ኩነታት ውልቃዊ ስምዒት ንትሕዝቶ ሓደ ሓበሬታ ብእወንታ ወይ ኣሉታ ክጸሉ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ‘ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ከመይ ይስምዓኒ?’ ኢሎም ንነብሶም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ዝህልዎም ስምዒት ቁጥዐ እንተኾይኑ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምውዛዕ ተኽሎኦም ልዑል ክኸውን ከም ዝገብሮ ይጥቀስ።

ስለዚ ማሕበራውን ስነልቦናውን ኣተሓሳስባታትና ኣብ እነመንጭዎም ኮነ እንውዝዖም ሓበሬታታት ልዑል ግድ ኣለዎም።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::