ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ንምርግጋጽ እጃም መንግስቲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
30 ሕዳር 2017 ዓ.ም
ኮምፒዩተራትን ሞባይል ስልኪታትን ምምዕባል ካብ ዝጅምራሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ኢንተርነት ዝዓበየሉ ግዜ ቅርፅን ዋሕዝን ሓበሬታ እናተቐየረ መጺኡ ኣሎ።
እዚ ክፍለ ዘመን ድማ ብዓብይኡ ብርክት ዝበሉ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለታትን ዋሕዚ ሓበሬታን ዝርኣየሉ ዘሎ ብምዃኑ ናይ ሓበሬታ ዘመን ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ።
እዞም ምዕባለታት ክኣ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝቐልጠፈን ዝቐለለን ክኸውን ገይሮም’ዮም።
ኣብዚ ብሓንቲ ናይ ፌስቡክ ወይ ትዊተር ልጣፍ ዝኾነ ሓበሬታ ዝርከቡ ዘመን ኮይንና’ውን ግን ሕፅረት ርጡብን ዝተማልአን ሓበሬታ ብሰፊሑ’ዩ ዝርኣይ።
ብዙሓት ሃገራትን መንግስትን ሕዚ’ውን ዝርዝር ጉዳያት ብሚስጢር ክትሓዙ ኣለዎም ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ገና ኣይተናገፉን።
መንግስቲን ሰብ መዚ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ዘካይዱዎም ዋዕላታት ዘሕልፉዎም ውሳነታትን ኣብ መንጎኦም ዘለው ጉዳያትን ዝምልከትን ግልፂን ዝተማእለን ሓበሬታ ዘየቕርቡ ብምዃኖም ድማ ዜጋታት መንግስታዊ ኣካላት ንተግባራትቶም ተሓተትቲ ክገብሩዎም ይጽገሙ’ዮም።
እዚ ድማ ሰባት ብዙሓት ሸነኻት ሓደ ነገር ዘገናዘበ ውሳነታትን ምርጫታትን ንከይህልዎም ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።
ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም መሰረታዊ ወይ ኣገደስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃኑ መንግስቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግልፅን እዋናውን ሓበሬታ ንዜጋታት ክበፅሕ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ካልኦት መሰላትን ዴሞክራሲያዊ መትከላት ኣብ ምሕላውን ምርግጋፅን ወሳኒ እጃም የበርክት።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ ነቲ ፅባሕ “መሰልና፡ መጻኢና፡ ሕዚ” ብዝብል ቴማ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ሰባት’ዮም፤ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ህይወትካን፣ ድልየታትን ስግኣታትካን፤ ብዛዕባ ሕዚን መፃእን ዘለካ ተስፋን እዮም” ኢሉ።
ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ምርግጋጽ ድማ ውልቀሰባትን ማሕበረሰብን ብዛዕባ ንህይወቶም፡ ቁጠብኦምን ፖለቲካዊ ኣነባብርኦም ዝፀልው ምዕባለታት ክግንዘቡን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ከባብያውን ጉዳያት እወንታዊ ተራ ክህልዎን ከም ዝገብር ይእመን።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዓንቀፅ 29ን ካልኦት ሕጋጋትን ዝፀደቐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ናይ ኩሉ መሰላት ብናፅነት ምዝራብ ክሕሉ እዚ ድማ ሓበሬታ ናይ ምሕታት፡ ምቕባልን ዝሓዘ ምዃኑ ሰፊሩ ይርከብ።
እዚ ድማ ተሓታትነት፡ ግልፅነትን ምዕሩይ ምሕደራን ንክህሉ ባይታ የንፅፍ።
እንተኾነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ካልእ እዩ፤ ታሪካዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ብድሆታት ተደሚሮም ኣብታ ሃገር ዝርአ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰላት ኣዝዩ ድሩት እዩ ኮይኑ ዘሎ።
ብኲናት ሓድሕድን ውሽጣዊ ጎንፂታትን ዝተሓመሰት ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ናፅነት ፕረስ ዝነበራ ዝላታት እናንቆልቀለ መጺኡ’ዩ።
ዓመታዊ ደረጃ ናፅነት ፕረስ ዝከታተል ትካል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ካብ 180 ሃገራት መበል 141 ሰሪዑዋ እዩ።
እቲ ዘሎ ዋሕዲ እዋናውን ግልፅን ሓበሬታ ድማ፡ ግጉያትን ተዛቢዖም ዝቐርቡን ሓበሬታታት ክበዝሑ፡ ሰባት ሓቂ ዘይኮኑ ነገራት ንክኣምኑን ብኡ ኣቢሎም ድማ ኣብ ትካላት መንግስቲ እምነት ክስእኑን ይገብሩ’ዮም ዘለው።
እዋናዊ፡ ጭቡጥን ግልፅን ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሞ ብዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ቁጽሪ እቲ ስር ዝሰድድ ዘሎ ምውዛዕ ግጉያት ሓበሬታታት ሰባት ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ንክሳተፉ ተበግሶን ውፍይነትን ክስእኑ ክገብሮም’ዩ።
እዚ ድማ ሃገራት ሃገራዊ ረብሕአን፣ ሃገራዊ ድሕነተንን ዴሞክራሲአንን ምክልኻል ኣብ ዘይኽኣሉ ዓቕመን ክዳኸም ይገብር።
ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ከምኡ’ውን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት እዋናውን ግልፅን ሓበሬታ ዝረኽብሎም መስርሓት ከተባብዑ፣ መሰል ጋዜጠኛታትን ትካላት ሚዲያን ዘጎልብቱ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ከንፅፉን ሓበሬታ ንምርካብ ዝዓግቱ ኣሰራርሓታት ክኣልዩን ይግባእ።
ኢትዮጵያ ቼክ
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::