ትንታነ ውዲትን ግጉይ ሓበሬታ ንምንታይ ቀልጢፎም ይውዝዑ?

The role of conspiracy theory in misinformation

27 ሕዳር 2017 ዓ.ም

ኣብዚ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝቐርቡ ትሕዝቶታት ከም ዝከታተሉ ይገልፁ።

መዓልታዊ ፌስቡክ ወይ ካልኦት ኣማራጺታት ብምጥቃም ድማ ሓገዝቲ’ዮም ዝብሉዎም ሓበሬታት ከም ዝረኽቡን ብስሩዕ ማዕከናት ሓበሬታ ዝቐርቡ ዜናታት ምክትታል ከም ዝገደፉዎ ይዛረቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓያሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ማሕበራዊ ቅልውላዋትን ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ብዝተፈላለዩ ኣብታ ሃገር ዝዝረቡ ቋንቋታት ኣዝዮም ብዙሓት ትሕቶታት ብመልክዕ ፅሑፍን ምስልን እናፈረዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ይቐርቡ’ዮም።

እዚኦም ግን ኩሎም ቅኑዓትን ብመርትዖ ዝተደገፉን ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም ግምታት፣ ትንታነታት ውዲትን ግጉያትን ዝኾኑ ሓበሬታት ንመድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ የዕለቕልቑዎ ከም ዘለው ኢና ንዕዘብ።

እዞም ጭብጢ ዘይብሎም ወረታትን ግጉይ ሓበሬታታትን ግን መን’ዩ ዝጅምሮም? መን’ከ ናብ ብዙሓት ክበጽሑ ይገብር? ዝብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።

ኣብ ምፅራይ ሓበሬታ ዝሰርሑ ክኢላታት ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ናብቲ ቅድም ኢሉ ዝበፅሖ ወፅዓ ከይምለስ ወይ ኣብ ትሕቲ ክጭቁነኒ’ዩ ኢሉ ዝጥርጥሮ ኣካል ከይወድቕ ዝብል ስግኣት እንትህሉ ገለ ትንታነ ውዲት ክህቡ ዝኽእሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ነዚ ተበሊፆም ኣብ ውሽጢ ሰባት ፍርሒ ክፍጠር ከም ዝገብሩ ይዛረቡ።

ገለ ነዚ ዘጉሙ ሚዲያታት (ብዩትዩብ፣ ቲክቶክን ካልኦት መድረኻትን ዝቐርቡ ዘለው ምግምጋም ይክኣል) ድማ ብተደጋጋሚ ብመርትዖ ከደግፉዎም ዘይኽእሉ ግን ድማ ብደረጃ ሓሜት ሓቂ ዝመስሉ ሓበሬታታት ክቐርቡ ይገብሩ።

ብኻልእ ወገን ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝምልከት ንናይ መንግስቲ ሰባት ወይ ፖለቲካዊ ውድባት ቀረባ ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት ኣለና ንዝብሉዎ ርክባት ተበሊፆም ኣብ ክሊ እቶም ዘጋጥሙ ዘለው እዋናዊ ምዕባለታት ንዝህቡዎ ግምታትን ሓሳባትን መራጎዲ ክጥቀሙሉ ምዕዛብ ልሙድ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

እዚኦም ብፅሑፍ ወይ ብምስሊ ዘቕርቡዎም ሓበሬታታት፡ ብውልቂ ከም ዝፈልጡዎምን ንዕኦም ብኣካል ረኺቦም ኣውጊዖምዎም ስለ ዝፈልጡን ብምውካስ እዮም ዘቕርቡዎም።

እዚኦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ልዑል ቁፅሪ ሰዓብቲ ዘለዎም ብምዃኖም ድማ ኣብ መጀመርታ እዞም ሓበሬታታት ክርኣዩ እንከለው ቅኑዓት እዮም ዝመስሉ፤ ምኽንያቱ ሽም እንፈልጦም መራሕቲ ወይ ሰብ ሞያ ብምጥቃስ ክቐርቡ እንከለው ቅርበትን ቅሩብነትን ክስምዓና ስለ ዝድርኹ።

ይኹን’ምበር እዚኦም ግጉይ ሓበሬታታት ቀልጢፉ ናብ ብዙሓት ክበጽሕ ኣብ ምግባር ልዑል ተራ ይፃወቱ።

ግጉያት ሓበሬታታት ክኣ፡ ኣብ ስምዒት ኣእትዮም ዘይተደለየ ስጉምቲ ክትወስድ ክደፍኡኻ ወይ  ንውሳነታትካ ክጸልውዎ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም።

ካብዚ ብዝሰገረ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብብዝሒ ክቐርብ እንከሎ ከምኡ’ውን ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ወይ ስምዒት ሰባት ዝፀልው ምዕባለታት ፍሉጣት ሰባት (ስነ ጥበባውያን፣ ናይ ሚዲያ ሰባት ክፅንበሩዎ ከለው) መርትዖ ዘይብሉ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ናብ ብዙሓት ክበፅሕ ይኽእል።

ብኻልእ ወገን ገለ ፅሑፋት ካብ ሓደ መጥቀሚ (ኣካውንት) ብኻልእ ከም ዘለዎም ተወሲዶም (ኮፒ ፔስት ተገይሮም) ክቐርቡ እንከለው እቲ ሓበሬታ ካበይ ይብገስ ወይ መቦቆላዊ ትሕዝትኡ ካብ መን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ የፀግም እዩ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይፈልጦ እየ ብእትብሎ ሰብ ዝተፅሓፈ ክመስለ እንከሎ ድማ እቲ ሓበሬታ  ኣሚንካ ናይ ምቕባል ዕድላት ሓፍ ክብል ይገብር።

ስለዚ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ቅድሚ ናብ ካልኦት ምክፋልኩም ንነብስኩም ክትሓቱዎም ዝግባእ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ኣለው፤

  1. ምንጪ እዚ ሓበሬታ ዘይፍለጥ ወይ ክትረኽቦ ካብ ዘይትኽእል መሓዛ ብመሓዛኻ ኣቢሉ ዝመጽአ ድዩ? ኢልካ ምሕታት። ምንጪ እቲ ሓበሬታ እንተዘይኣረጋጊጽካ ‘ሼር’ ካብ ምግባር ምቑጣብ ይምረጽ። እዚ ብእትኣምኖ ሰብ ኣቢሉ ጥራይ ስለ ዝመፅአ ትኽክለኛ ሓበሬታ እዩ ማለት’ውን ኣይኮነን።
  2. ሓቂ ይመስል’ዶ? ሓደ ጽሑፍ ክነውሕ እንከሎ እቲ ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታተት ዝሓዘ ክመስል ይኽእል። ስለዚ ትኹረት ገይርካ ምንባብን ክትርድኦ ምፍታንን የድሊ።
  3. ትሕዝቶ እዚ ሓበሬታ ስምዒታዊ ክትኸውን ገይሩካ’ዶ- ክትሕጎስ፡ ክትሓዝን ወይ ክትቑጣዕ? ግጉይ ሓበሬታ ቀልጢፉ ናብ ብዙሓት ዝበጽሓሉ ምኽንያት ንስምዒታትና ዝትንክፍ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ድማ እዚ ሓበሬታ ሓቃዊ ናይ ዘይምዃን ዕድሉ ሓፍ ዝበለ ክገብሮ ይክእል። ስለዚ ዳግም ተወሳኺ ምጽራይን ምግንዛብን ግበሩ።
    ብፍላይ ምስ ጥዕና ዝተሓሓዝ ሓበሬታታት ብዝምልከቶም ትካላት ጥዕና ወይ እቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ትካላት ኣቢሉ ስለ ዝፍኖ ብውልቀሰባት ዝወዝሃቡ ማዕዳታት ሕክምና ልዑል ጥንቃቐ ይሓቱ።

ኢትዮጵያ ቼክ

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::