ዘረባ ፅልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣብ ምቁፅፃር ግዳ ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ እንታይ ክመስል ይግባእ?
9 ሕዳር፣ 2017 ዓ.ም
ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝርአ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባ ፅልኣትን ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር ነዞም ነገራት ባይታ ዝህቡ ዘለው ኵባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያታት እኹል ናይ ምቁፅፃር ስራሕቲ ብዘይምስራሕ ይንቀፉ። እዚ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ይርኣይ።
እዞም ትካላት ኣብ መጀመርታ እዋናት በቶም መድረኻት ንዝወፅኡ ፅሑፋት ኮነ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ተሓታትነትን ሓላፍነትን ከምዘይወስዱ ይገልፁ ነይሮም።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግን ሰባት እዞም መድረኻት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ወይ ዜና ዝረኽቡሎም እናኾኑ መፂኦም።
ስለዚ ኣብ ልዕሊኦም ድሕሪ ክግበሩ ዝፀንሑ ፀቕጢታት ብዝተወሰነ መልክዑ በቶም መድረኻት ዝወፅኡ ሓበሬታታት ሰብ ሰርሖ ብልሒን ሓይሊ ሰብን ብምጥቃም ክቆፃፀሩዎም ጀሚሮም።
እንተኾነ ንብዝሒ እቶም ዝዝርግሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኢን ዝግድብ እኹል ስራሕቲ ክሰርሑ ኣይርኣዩን- ብፍላይ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ፅሑፋት።
መንግስቲ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ እስላም ሮህንጊያ ዝወዝሖ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣዝዩ ከቢድ ክሳራ ከም ዘምፅአ ብኣብነት ምልዓል ይክኣል።
ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብድሕሪ እቶም ብፍላይ ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝርኣዩ ዝተፈላለዩ ዘይምቅድዳዋትን ጎንፂታት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽኡ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ከምኡ’ውን ዘረባ ፅልኣት ነቲ ጎንፂታት ክጋደድ ይገብሩዎ ኣለው።
ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያታት ዘርኣዩዎ ዘይተገዳስነት ስዒቡ ድማ ኣውስትራሊያን ሲንጋፑርን ዝርከብአን ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታታት ዝቆፃፀሩሎም መምርሒታት ኣውፂኦም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዘፅደቐቶ ኣዋጅ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘረባ ፅልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ድማ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝህቡ ትካላት ነዞም ነገራት ንምዕጋት ፃዕሪ ክገብሩ አለዎም ይብል።
“እቲ ትካል ዘረባ ፅልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝምልከት ሓበሬታ ክበፅሖ ከሎ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነዚ መልእኽቲ ካብቲ ገፃት ክኣልዮ ይግባእ” ክብል እቲ ሕጊ ይጠቅስ።
ግን ድማ መንግስቲ እዞም መምርሒታት እኳ እንተኣውፅአ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፅኡ ሓበሬታት ቁፅፅር ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሓሳብካ ብናፅነት ናይ ምግላፅ መሰል ፀቕጢ ክገብር ይስትውዓል።
ከም መፍትሒ ክንርእዮም ካብ መንጎ ዝግብኡ ኣማራፂታት፤
- ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፅኡ ገለ ሓበሬታታት ዝከታተሉ ሰባት ሰባት (content moderators) ብብዝሒ ክህልው ይግባእ። ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ሕዚ ካብ ዝጥቀሙሎም ዘለው ትካላት (outsourced companies) ወጻእ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ክቐፅሩ ኣለዎም። እዚኦም ባህልን ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን እተን ሃገራት ዝመልኩ ክኾኑ ኣለዎም። ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ኣብ ዘለዋ ሃገርን ብዙሓት ቋንቋታት ኣብ ዝዝረበሉን ብብዝሒ ሓበሬታታት ዝከታተሌ ሰባት (content moderators) ከቑፀሩ ኣለዎም።
- ማሕበራዊ ሚዲያታት ድማ ብውሑድ ብመረዳእታ ዝተረጋገፁ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ካብ ገፃቶም ክኣልዩ ይግባእ
- ብተወሳኺ ትኽክለኛ ገጻት ምርግጋጽን ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ገፃት ብምዕጻውን ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ።
ኢትዮጵያ ቼክ
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::