ኣብ ቱርኪ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ

18 ግንቦት 2015 ዓ.ም

  1. ኣብ ቱርኪ ይካየድ ኣብ ዘሎ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ሰፊሕ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዓብዪ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ዓለምለኸ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ። ናይ ሓሶት ምስልታትን ስእልታትን፣ ዝተመስርሑ ፖስተራት፣ ዲፕፌክን ቺፕፌክን፣ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ፣ ወዘተ . . . ብሰፊሑ ከም ዝተራእዩ ተገሊጹ። መርማሪ ትካል ሓበሬታ ቱርኪ ቴይት (Teyit) ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ከም ዝተዘርግሐን፡ እዚ ተግባር ብዅሉ ሸነኽ ከም ዝተራእየን ኣመልኪቱ። ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ቱርኪ ከማል ኪሊዳሮግሉ፡ ብመንጽር እቲ መረጻ ንሩስያ ብውዲታዊ ትንተናን ፈጠራ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ክኸስስ እንከሎ ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ረሲፕ ጣይጵ ኤርዶጋን ድማ መነሓንሕቱ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ሰራዊት ኣዋፊሩ ብምባል ይኸስስ።
  1. ኣዶቤ፡ ብሰፊሑ ምስሊ ‘ኤዲት’ ንምግባር ዝውዕል መተግበሪ ፎቶሾፕሓገዝ ዝህብ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ክውስኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ‘ጀነሬቲቭ ፊል’ (Generative Fill) ዝበሃል ሓጋዚ ቴክሎኖጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብጽሑፍ ትእዛዝ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ምስልታት ብቐሊሉ ‘ኤዲት’ ንምግባር የኽእል’ዩ ተባሂሉ። እቲ ቴክኖሎጂ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ምስልታት ክዛይድ ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ ኣሎ። ‘ኣዶቤ’ ብወገኑ ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተኣረሙ ንምልላይ ዘኽእል ዳታ ምስቶም ምስልታት ከም ዘተሓሓዝ ይገልጽ። እዚ ንምፍላጥ verify.contentauthenticity.org ምጥቃም ከም ዝክኣል ተገሊጹ ኣሎ።
  1. ኩባንያ ሜታ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ይግባይ ብምባል ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘቕርቦ ኣፍሊጡ። ዋና ፌስቡክ፡ ዋትስኣፕን ኢንስታግራምን ዝዀነ ሜታ፡ ሓበሬታ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ብምሃብ ብትካል ተቖጻጻሪ ውልቃዊ ሓበሬታታት ሕብረት ኤውሮጳ 1.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዝተቐጽዐ ይፍለጥ።

✅️ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቐረቡ ጸብጻባት

– ኣብ መልእኽቲ ዕለተ ሰኑይ ገጽ ሰባት ብምቅይያር ኣብ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዓብዪ ጽልዋ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ‘ዲፕፌክ’ ብትግርኛ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2009

– ከምኡ’ውን ኣብ ቱክቶክ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ዘለው ዘረባታት ጽልኣት ዝምልከት ትንታነ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2011

– ንቕሓት ኣጠቓቕማ ሚዲያ ዘዕብዩ ቪድዮታት’ውን ኣካፊልናኩም፡

https://t.me/ethiopiacheck/2013

https://t.me/ethiopiacheck/2012

https://t.me/ethiopiacheck/2010

– ሰዓብትና ዝሳተፍሉ መሕትት ቴሌግራም፡

https://t.me/ethiopiacheck/2014

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::