ኣብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ዝግበር ናይ ምምዕባል ስራሕቲ ግትእ ክብል ዝሓትት ደብዳበ ተዘርጊሑ

22 መጋቢት 2015 ዓ.ም

  1. ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝዝርግሑ መወዓውዒታት (advertisements) ኣብ ጥቓ ኣሉታውን ስምዒት ዘለዓዕልን ትሕዝቶ ምስ ዘለዎም ልጣፋት (posts) ንከይዀኑ ዝሕግዝ ማሳርሒ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ሜታ ኣፍሊጡ። እዚ ሓድሽ መሳርሒ ተኸፊሉዎም ዝዝርግሑ መወዓውዒታት ኣብ ላዕሊ ወይ ኣብ ታሕቲ ትሕዝቶ ኣጽዋር፣ ፖለቲካዊ ክትዓትን ካልኦትን ምስ ዘለዎም ሓበሬታታት ንከይረኣዩ ዝሕግዝ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ መወዓውዒታት ዝሰርሑ ኣካላት እቲ መወዓውዒ ኣብ ጐኒ መልእኽታት ጽልኢ፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ኣሉታዊ ትሕቶታትን ከይርኣዩ ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ኣሰራርሓ ድማ ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛን ስጳኛን ዝዝርግሑ መልእኽታት ዝምልከት ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።
  1. መአለሺ ጉግል ኣብ ቀረባ (Google Search) “ኣመለኻኽታታት” (Perspectives) ከምኡ’ውን “ብዛዕባ እቲ ጸሓፊ” (About this author) ዝተባህሉ ክልተ ኣገልግሎታት ከም ዘተኣታቱ ኣፍሊጡ። እዚኦም መአለሺ ጉግል ብምጥቃም ሓበሬታ ዝደልዩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሓበሬታ ዝተማልአ ዓወዲ ንክረኽቡ ዝሕግዞም’ዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ “ኣመለኻኽታታት” ዝተባህለ ኣገልግሎት ሓበሬታ ዝደልዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ብዘለዎም ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርቲ ወዘተ ዝተጽሓፉ ጽሑፋት ዘቕርብ ኰይኑ፡ “ብዛዕባ እቲ ጸሓፊ” ድማ መንነት እቲ ጸሓፊ ዘረድእ ክኸውን እዩ።
  1. ኢሎን መስክ ሓዊሱ ልዕሊ 1000 ሽሕ ጸለውቲ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ከም ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝግበር ስራሕቲ ምዕባለታት ክግታእ ዝሓትት ደብዳበ ትማሊ ዘርጊሖም። እዞም ሰብ ሞያ ኣብ ቴክኖሎጂታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝግበር ተወሳኺ ምዕባለታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሓደጋ ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣቶም ኣስፊሮም ኣለው። ካብ ሞንጐ እዞም ስግኣታት ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ይውዕሉ’ዮም ዝብል ተጠቒሱ ኣሎ።️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታት ምስ መላግቦታት ቴሌግራም
    – ኣብ ናይ ዕለተ ሰኑይ መልእኽትና ትዊተር ብዛዕባ ዝጀመሮም ኣሰራርሓታት መረጋገጺ ኣካውንት ዝምልከት ሓበሬታ ዝጥምት ነይሩ፡
    https://t.me/ethiopiacheck/1936
    – ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ተባሂሉ ብዛዕባ ዝተወዝዐ መጠን እኽሊ ዳህሳስ ገይርና፡
    https://t.me/ethiopiacheck/1940
    – ብሽም ኤምባሲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ቴሌግራም ሓበሬታ ኣካፊልናኩም
    https://t.me/ethiopiacheck/1941
    – ዝጸንሐ’ዩ ብዛዕባ ዝተባህለ ስእሊ ምጽራይ ገይርና
    https://t.me/ethiopiacheck/1942
    ብተመሳሳሊ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝተቐርጸ እዩ ዝተባህለ ቪድዮ ኣጻሪና
    https://t.me/ethiopiacheck/1943

     

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::