ኣብ ኬንያ ኣብ ትሕዝቶታት ቲክቶክ ቁጽጽር ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

19 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

  1. ኬንያ ትሕዝቶ ብቲክቶክ ኣብ ዝመሓላለፉ ቪድዮታት ቁጽጽር ክግበር ምስቲ ኩባንያ ከም ዝተሰማምዐት ኣፍሊጣ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ውልቀሰብ “ቲክቶክ ዘይግቡእ ቪድዮታት ይዝርግሕ” ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ክእገድ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዘቕረቦ ጥርዓን ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ጸብጻቡ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ “ዘይግቡእ” ዝተባህሉ ቪድዮታት ካብቲ መድረኽ ክእለዩ እዮም። ብተወሳኺ ፈጻሚ ስራሕ ቲክቶክ ሾ ዚ ችው ኣብ ኬንያ ቤት ጽሕፈት ብምኽፋት ኣብ ኣፍሪካ ትሕዝቶ ኣብ ቲክቶክ ዝጥቅዑ ቪድዮታት ክከታተል ምዃኑ ገሊጹ።
  1. ሶማልያ ቲክቶክን ቴሌግራምን ከም ዝኣገደት ኣልጀዚራ ጸብጺቡ። እታ ሃገር እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሓሶትን ዝንቡዕ ሓበሬታን ከምኡ’ውን ኣጸያፊን መናዓብን ትሕዝቶታት ዝዝርግሓሎም መድረኻት ኰይኖም’ዮም ብዝብል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ኣብ ሶማልያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝህቡ ኩባንያታት ካብ ሕጂ ንደሓር ቲክቶክን ቴሌግራምን ንክእግዱ መምርሒ ተዋሂቡዎም ኣሎ።
  1. ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብ ኤክስ (ብትዊተር ዝፍለጥ) ተመሊሱ። ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ትዊተር “ተግባራት ዓመጽ ምልዕዓልን ምትብባዕን” ዝብል ፖሊሲ ትዊተር ብምጥሓሱ ተኣጊዱ ነይሩ። ቢልየነር ኢለን መስክ ነቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝዕድጐ ንድሓር እገዳ ትራምፕ ጌጋ ምዃኑን መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝጥሕስን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።

መላግቦታት ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታት፡

  •  ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝመሓላለፉ ሓደገኛ መልእኽታት ዝምልከት ግንዛበ ዘትሕ ጽሑፍ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2146

  •  ብሽም ባናክ ስንቄ ተመሳሲሎም ዝተኸፍቱ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ዘቃልዕ ሓበሬታ፡

https://t.me/ethiopiacheck/2148

  • ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክ ኰይና ብዝብል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2150

  • ብቲክቶክ ዝመሓላለፉ ናይ ሓሶትን ዝንቡዓትን መልእኽታት ንምፍላይ ዝሕግዙ ነጥብታት ዘመላኽት ጽሑፍ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2151

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::