ቲክቶክ ኣገልግሎት ምእራም ትሕዝቶ ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

05 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

  1. ቲክቶክ ኣገልግሎት ምእራም ትሕዝቶ (editing) ክጅምር ምዃኑ ኣብ ጉዳያት ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ማዕከን ሓበሬታ ዘ ሊፕ ገሊጹ። እዚ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ እግሪ ዝጥቅዑዎ ቪድዮ ዝጽሕፉዎም ጽሑፋት (captions)፣ ሃሽታጋት፣ መብርሂታትን ካልኦት ጽሑፋትን ንክእርሙ ዘኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቶም ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝጥቅዑ ሸውዓተ መዓልቲ ዘይሓለፎም ትሕዝቶታት ዝሰርሕ ከም ዝዀነ ዘ ሊፕ ሓቢሩ።
  1. ፌስቡክ ንነዊሕ እዋን ንጡፋት ዘይነበሩ (active) ኣመሓደርቲ ጉጅለ (ኣድሚን) ብኻልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ከም ዝትክኦም ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ፌስቡክ ኣካየድቲ ጉጅለ ፌስቡክ ኣብቲ ጉጅለ ዝካፈል ትሕዝቶ ናይ ምክትታልን ምቁጽጻርን ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ንጡፋት ዘይኰኑ ሞደሬተራት ንምትካእ መዘኻኸሪታት ክህብ ጀሚሩ ኣሎ። እቶም ኣካየድቲ ባዕሎም ንኻልእ ሰብ ክትክኡ እንተዘይክኢሎም ፌስቡክ ካልእ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ኣካያዲ ክኸውን ከም ዝዕድም ኣፍሊጡ።
  1. ብርክት ዝበላ ዓለምለኻውያን ትካላትን ማሕበራትን መራኸቢ ማዕኸናትን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕኦ ቅሉዕ ደብዳበ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝምልከት ሕጊ ክህሉ ኣለዎ ክብላ ሓቲተተን። ከም ኤፒ፣ ኤኤፍፒ፣ ጌቲ ኢሜጅስን ካልኦት ናይ ሚድያ ትካላትን ማሕበራትን ሓገግቲ ኣካላት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝምልከት ሕጊ ከውጽኣ ዝሓትት ደብዳቤታት ጽሒፎም። ኣብ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተዋፈራ ኩባንያታት እውን ንኣጠቓቕማ ዳታ ብዝምልከት ምስ ትካላት ሚድያን ማሕበራትን ክዘራረባ፣ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝፍጠር ትሕዝቶ ክሕብራ፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣድልዎን ክከላኸሉ ሓቲተተን።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቐረቡ ጸብጻባትን ሓበሬታታትን፡

  • ኣብ መልእኽቲ ሰኑይገደብ መሰል ሓሳብ ብናጽነት ምግላጽ ክሳብ ክንደይ’ዩ ዝብል ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2119

  • ናብ ሓይሊ ኣየር ፌደራል ዝተጽሓፈ ደብዳበ መሲሉ ዝቐረበ ሓበሬታ ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2123

  • ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ተማሪዀም ብዛዕባ ዝተባህሉ ወተሃደራት ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ ዝተወዝዐ ስእሊ’ውን ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2124

  • ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተማረኺ ዕጥቂታት ዘርኢ ተባሂሉ ዝተዘርግሐ ስእሊ ኣጻሪና ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2127

https://t.me/ethiopiacheck/2126

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::