ቲክቶክ ኣብ ደንብታትን መምርሕታትን ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ትማሊ ኣፍሊጡ

15 መጋቢት 2015 ዓ.ም
- ቅድም ኢሉ ትኽክለኛ ኣካውንት ዘረጋግጽ “ሰማያዊ ባጅ” ብናጻ ዝወሰዱ ተጠቀምቲ ትዊተር፡ ካብ 1 ሚያዚያ 2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ እቲ ኣገልግሎት ክረኽቡዎ ከም ዘይኽእሉ እቲ ኩባኒያ ኣፍሊጡ። ሰማያዊ ባጅ ዘለዎም ኣካውንታት ዝረኽቡዎ ኣገልግሎት ክናዋሕ እንተደልዮም ወርሓዊ ክኸፍሉ ትጽቢት ከም ዝግበሮም ትዊተር ገሊጹ። ብተመሳሳሊ፡ ንትካላት ዝወሃብ ‘ቢጫ ባጅ’ ወርሓዊ 1000 ዶላር ብምኽፋል ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጀመረ እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ ኩለን ሃገራት ንዝርከቡ ዓማዊሉ መሸጣ ሰማያዊ ባጅ ከቕርብ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።2. ቲክቶክ ኣብ ደንብታትን መምርሕታትን ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ትማሊ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ጐና ጐኒ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ብምጥቃም ዝስርሑ ትሕዝቶታት፡ ተጠቀምቲ ልበወለድ (fiction) ምዃኖም ንክፈልዩ ዝሕግዝ መተሓሳሰቢ ከም ዝንበብ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ዓሌት ትኹረት ዝገበሩ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ዝዝርግሑ ኣካውንታት ከም ዝቐጽዕ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ምስ መረጻ ብዝተሓሓዝ ዝውዝዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ከም ዝኽልክል የመልክት። ኣብቲ ዝተመሓየሸ ደንቢ ዝተኻተቱ መምርሒታት ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ተግብራዊ ከም ዝዀኑ ቲክቶክ ገሊጹ።3. ከም ቻትጂፒቲ-4 (ChatGPT-4) ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ናብ ተግባራት ሰፊሕ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ (large scale disinformation) ክኣትው ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ፈጻሚ ስራሕ ኦፕንኤኣይ ሳም ኦልትማን ገሊጹ። ንሱ ምስ ቴሌቪዥን ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እዩ ነዚ ተዛሪቡ። ኦፕንኤኣይ ዘማዕበሎ ቻትጂፒቲ-4፡ ልዑል ዓቕሚ ምሕሳብ፣ መልሲ ምሃብን ምውህሃድን ዘለዎ ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን መላግቦታት ቴሌግራምን
– ኣብ መልእክቲ ሰኑይ፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያን ጥዕና ኣእምሮን ዝድህስስ ጽሑፍ ብትግርኛ ኣቕሪብና፡ https://t.me/ethiopiacheck/1920
– ጋዜጠኛ ግሩም ጫላ ዘቕረቦ ሓደ ሓበሬታ ኣጻሪና፡ https://t.me/ethiopiacheck/1920
– ናብ ትግራይ ይኣትው ነይሮም ዝተባህሉ ከበድቲ ኣጽዋር ኣመልኪቱ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣጻሪና፡
https://t.me/ethiopiacheck/1924
https://t.me/ethiopiacheck/1925
– መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስርሕ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ’ውን ኣቕሪብና፡
https://t.me/ethiopiacheck/1930
– ኣብ ዩትዩብ እንርእዮም ዘረባታት ጽልኣት ብኸመይ ሪፖርት ከም እንገብር ዘርእዩ ቪድዮታት’ውን ኣካፊልናኩም፡
https://t.me/ethiopiacheck/1929
https://t.me/ethiopiacheck/1928
https://t.me/ethiopiacheck/1927
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::