‘ናይ ሓሶት ደብዳበ’ዩ’ – ህወሓት

24 ሓምለ፣ 2016 ዓ.ም

ትማሊ፡ ህወሓት ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ “ሕጋዊ ሰብነቱ ክመልሰሉ” ዝሓትት ደብዳበ ናብቲ ቦርድ ከም ዝልኣኸ ዝገልፅ ሓበሬታ ብወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፁ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ ብሽም እቲ ውድብ ተፃሒፎም ናብቲ ቦርድ ተላኢኾም ዝተባህሉ ክልተ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን ሓበሬታን ዘለዎም ደብዳበታት ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም እዮም።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ፌስ ቡክ ገፅ ህወሓት ዝወጽአ ደብዳበ ብ19 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝተፅሓፈ ኮይኑ ህወሓት ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ይሓትት።

እቲ ውድድብ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ኣካል ምዃኑ ብምዝኽኻር “ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ሓበራዊ ምርድዳእ ስለዘሎን ሰላም ንክጉልብት ዘለዎ እጃም ብምግንዛብን እቲ ቦርድ ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ናብ ዝነበሮ ክመልሰልና ንሓትት” ይብል።

ድሒሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፅአ ደብዳበ ድማ፡ ተመሳሳሊ ዕለት ዘለዎ ኮይኑ እቲ ጉዳይ “ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ናብ ዝነበሮ ምምላስ” ምዃኑ የመልክት።

ይኹን’ምበር እዚ ደብዳበ ብመሰረት እቲ ኣብ ተግባራት ዓመጽ ተሳቲፎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣመልኪቱ ዝወጽአ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ዳግም ክምዝገብ ይሓትት።

“ነቲ ዝወጽአ ኣዋጅ ተቐቢልና በቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡ መዐቀኒታት ኣማሊእና ውድብና ህወሓት ከም ብሓድሽ ንክምዝገብ ከም ዝተሰማማዕና ነፍልጥ” ይብል።

እንተኰነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ እዚ ህወሓት ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ዝሓትት ደብዳበ “ግጉይን ናይ ሓሶትን’ዩ” ብምባል ህወሓት ናብ ቦርድ መረፃ ዝልኣኾ ደብዳበ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ጉዳይ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ብፖለቲካዊ ኣገባብ መዕለቢ ክረክብ ከም ዝግባእ እዩ ዝገልጽ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ “ካብ ሕጋውን ሰላማውን ምንቅስቓስ ወጻእ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሒ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ከምዘፅደቐ ይዝከር።

ህወሓት ነዚ ከም ብሓድሽ ምምዝጋብ ዝብል ከም ዘይቕበሎ ብተዳጋጋሚ ይገልፅ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ርኡይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ዘሎ ይግለፅ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::