ትዊተር ተበጻሕነት ትሕዝቶ ጽልኢ ዘለዎም ትዊታት ብ81% ክንኪ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ

07 ሓምለ 2015 .

  1. ትዊተር ተበጻሕነት ትሕዝቶ ዘረባ ጽልኣት ዘለዎም ትዊታት (reach) ብ81% ክንዲ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ 700 ሽሕ ትዊታት ድማ ትሕዝቶ ጽልኣት ዘለዎም ምዃኖም ዝነግር ሓበሬታ (labels) ክንበብ ከም ዝገበረ ገሊጹ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ክንዲ ትሕዝቶ ጽልኣት ዘለዎም ትዊታት ምእጋድ ተበጻሕነቶም ክንኪ ከም ዝገብር ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ። በዚ ድማ ‘Freedom of Speech Not Reach’ ዝብል ስያመ ብዝተዋህቦ ኣሰራርሓ ሓሳብ ብናጽነት ምግላጽ ከጸለኻ ኣሉታዊ ትሕዝቶታት ምንካይ ይክኣል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ምግላጹ ይዝከር።
  1. ሕብረት ኤውሮጻ ኣብ ውሽጢ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ጎንጺ፣ ናዕብን ዘይምርግጋእን ክህሉ እንከሎ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያ ንምዕጻው ዘኽእል ሕጊ ተግባራዊ ክገብር ምዃኑ ፖለቲኮ ጸብጺቡ። እዚ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ ሕጊ ቅትለት፣ ምቅጻል መኪና ወዘተ ዝኣመሰሉ ትሕዝቶ ጽልኣት ዘለዎም ዘይቆጻጸሩ ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ተባሂሉ። እቲ ሕጊ ትዊተርን ቲክቶክን ሓዊሱ 15 ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝህቡ ኩባኒያታት ክቈጻጸር እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
  1. “ጽሬት ዘለዎ ተበጻሕነት ንጽባሕ” ብዝብል ቴማ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ልምዓት ሚዲያት ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ 45 ሃገራት ዝተወጻጽኡ 300 ኣጻረይቲ ሓበሬታን መርመርቲ ጋዜጠኛታትን ይሳተፉ ኣለው። ኢትዮጵያ ቼክ’ውን ኣብቲ ጉባኤ ይሳተፍ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ ናይ ሓሶትን ዝንቡዓትን ሓበሬታታት ዘብጽሑዎ ዘለው ጉድኣትን መፍትሒታቶምን ከምኡ’ውን ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ (AI) ብመንጽር ዋሕዚ ሓበሬታ ዝፈጠሮ ስግኣርን ተስፋታተቱን ዝጠመቱ ዘተታት ተኻይዶም። እዚ ካብ 5 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ጉባኤ ሲኤፍአይ ሚዲያ ዲቨሎፕመንት (CFI Media Development) ምስ ኣፍሪቃ ቼክ (Africa Check)፣ ዓረብ ሪፖርተርስ ፎር ኢንቨስቲጌቲቭ ጆርናሊዝም (ARIJ) ከምኡ’ውን ኣፍሪክቲቪስትስ (AfricTivistes) ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ብመተግበሪታት ሓጺር መልእኽቲ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ኣሉታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2075

– ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ክፍሊታት ትምህርቲ ኣምሓርኛን ታሪክን ክዓጹ እዩ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓበሬታ’ውን መብርሂ ኣቕሪብና፡ https://t.me/ethiopiacheck/2076

-ፕሮዝደንት ክልል ኦሮሚያ ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ኣሎ ዝበሎ ግጉይ ምውሳኽ ቑጽሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2079

https://t.me/ethiopiacheck/2078

-ብሽም ኣገልግሎት ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዝዀነ M-PESA ዝውዛዕ ዘሎ ናይ ምትላል ሓበሬታታት ዝምልከት ጽሑፍ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2080

-ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምፍላይ ብዛዕባ ዝሕግዝ መተግበሪ’ውን መብርሂ ኣቕሪብና፡

 https://t.me/ethiopiacheck/2082

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::