ክፍሊት “ባጅ” ትዊተርን ካልኦት ጉዳያትን ዝሓዙ ሓበሬታታት ሰሙናዊ ዳህሳስ ዕለተ ዓርቢ

06 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም
ኣብ ናይ ሎሚ ዳህሳስ ዕለተ ዓርቢ “ትዊተር ቅድም ኢሉ ዝነበረ ሰማያዊ ባጅ ብናጻ ዝወሰዱ ኣካውንታት ናብ ስርዓት ክፍሊት እንተዘይኣትዮም እቲ ኣገልግሎት ከም ዝቋረጽ ኣፍሊጡ” ዝብሉን ካልኦት ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን ሒዙ ኣሎ።
- ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ኢሳት ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ተገሊጹ። እቲ መደብር ቴሌቪዥን ዘረባ ጽልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ዝወጽአ ኣዋጅ 1185/2012 ከም ዝጥሓሰ ዋልታ ቴሌቪዥን ትማሊ ጸብጺቡ። እቲ ብጽሑፍ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ድማ ኢሳት ዘርጊሑዎም ዝተባህሉ ጸብጻባት ብኣብነት ይጠቅስ።
- ኣብ ኣውስትራሊያ ከንቲባ ከተማ ኸፕበርን ሻየር ዝኾነ ብሪያን ሁድ ቻትጅፒቲ (ChatGPT) ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ምጽላም ሽምን ክኸሶ እየ ምባሉ ዩሮኒውስ ገሊጹ። እቲ ከንቲባ ብዛዕብኡ ግጉይ ዝመስሉ ሓበሬታታት ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ምስ ሰምዐ ነቲ ውጽኢት ሰብ ሰርሖ- ብልሒ ዝኾነ ቻትጅፒቲ ንምኽሳስ ከም ዝወሰነ ተዛሪቡ። ቻትጅፒቲ ብዛዕባ እቲ ከንቲባ ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ሓበሬታታ ቅድሚ ዓመታት ብላዕ ብምቕባል ብገበን ተኸሲሱ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ ይርከቦ። ጠበቓታት እቲ ከንቲባ ናብ ዋና ቻትጅፒቲ ኦፕንኤአይ (OpenAI) ጥርዓን ከቕርቡ እንከለው ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙናት መልሲ እንተዘይሂቡዎም ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝኸዱ ገሊጾም። ክሲ ስምስረት እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ቻትጅፒቲ ዝቐረበ ፈላማይ ክሲ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።
- ትዊተር ቅድም ኢሉ ሰማያዊ “ባጅ” ብናጻ ዝወሰዱ ኣካውንታት ናብ ስርዓት ክፍሊት ዘይኣትው እንተኾይኖም እቲ ኣገልግሎት ከም ዘቋርጾ ኣፍሊጡ። ዋና ትዊተር ኢለን መስክ ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ እቲ አገልግሎት 20 ሚያዚያ 2023 ከም ዝቋረጽ ሓቢሩ። እቲ ዝጸንሐ ሰማያዊ ባጅ (Legacy Blue Checks) ንሙሁራት ጥራይ ከም ዝተዓደለ ዝገለጸ መስክ እዚ ድማ ሓሳብ ሒደት ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ክጋዋሕ ዝገበረ ኣሰራርሓ እዩ ኢሉ። እቲ ስርዓት ክፍሊት ንኹሎም ኣካውንታት ማዕርነት ዘስፍን ምዃኑ ኣረዲኡ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ መስክ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት “ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ሰማያዊው ባጅ ትዊተር ከም ዝጠፍእ ተዛሪቡ” ብምባል ግጉይ ሓበሬታ ዘርጊሑ ነይሩ።
️✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን ናይ ቴሌግራም መላግቦታትን:
– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምፍላይ ዝሕግዙ ኣገባባት ብትግርኛ ኣቕሪብና:
https://t.me/ethiopiacheck/1958
– ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ይናገር ደሴ ተኣሲሩ ብዝብል ዝተወዝዐ ሓበሬታ ኣጻሪና:
https://t.me/ethiopiacheck/1959
– ከምኡ’ውን ፕሬዝደንት ኤርትራ ሂቡዎ ዝተባህለ መግለጺ ኣጻሪና:
https://t.me/ethiopiacheck/1960
– ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ማይ ተበኪሉ ብዝብል ዝተወዝዐ ናይ “ሓሶት” እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ማይን ፈሳስን ዝሃቦ ሓበሬታ:
https://t.me/ethiopiacheck/1961
-ኢትዮ 360 ዝተባህለ ሚዲያ ካብ ዓውዲ ወጻእ ዘካፈሎ ስእሊ’ውን ኣቃሊዕና:
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::