ትዊተር ክፍሊት መረጋገጺ ኣካውንት ናይ ዘይፈጸሙ ተጠቀምቲ ሰማያዊ ባጅ ኣልዩ

13 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም
1. ትዊተር ቅድም ኢሎም ብናጻ ዝተዋህቡ ትክክለኛ ኣካውንት ዘረጋግጹ ምልክታት ሰማያዊ “ባጅ” ትማሊ ከም ዘወገዶም ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ሰማያዊ ባጅ ብመሸጣ ከም ዝህብ ቅድሚ ኣፍሊጡ ነይሩ። ነቲ ስጉምቲ ስዒቡ ቅድም ኢሉ ብሰማያዊ ባጅ ዝፍለጡ ዝነበሩ ኣካውንታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም ተራእዮም ኣለው። እዚ ተመሳሲሎም ንዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት በሪ ዝኸፍት እዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
2. ተዓዋቲ ዓለምለኻዊ ውድድር ስእሊ ሶኒ (Sony World Photography Award 2023) ሽልማቱ ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ። ጀርመናዊ በዓል ሞያ ስእሊ ቦሪስ ኤልዳግሰን ናብቲ ውድድር ዘቕረቦ ስእሊ ብስብ ሰርሖ-ብልሒ (Artificial Intelligence) ዝተሰርሐ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ካብቲ ሽልማት ንዓርሱ ኣግሊሉ። ንሱ ንኣወዳደርቲ ንምፍታን ከምኡ’ውን መዘራረቢ ንምዃን ብዝብል ዝገበሮ ምዃኑ ድማ ገሊጹ። ቦሪስ ኣብ ውድድር ስእሊ ሶኒ ዝተዓወተሉ ብነጻ ዓውዲ ምህዞ ዝተዓወተሉ ሰብ ሰርሖ ስእሊ ‘ሲዩዶሜንሺያ: ዘ ኤሌክትሪሽያን'(Pseudomnesia: The Electrician) ዝብል ርእሲ ዘለዎ እዩ ነይሩ።
3. ትዊተር ትሕዝቶ ፈጠርቲ ናይ መወዓውዒ ኣታዊ ዝካፈልሉ ኣሰራርሓ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት እቶም ፈጠርቲ ትሕዝቶ ካብ ዝዝርግሑዎም መወዓውዒታት ዝርከብ ኣታዊ ምስ ትዊተር ክማቐሉዎ እዮም። እቲ ኣሰራርሓ ንግዝኡ ኣብ ጃፓን፣ ኣውስትራሊያ፣ ኒውዝላንድን ካናዳን ናብ ተግባር ከም ዝኣተወ ገሊጹ። ነቐፍቲ እዚ ኣሰራርሓ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝዝርግሑን ኣጽመድቲ ክሊክን ክስሕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
✅ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን መላግቦታት ቴሌግራም
– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ብመንጽር ዋዛ ካብ ዝቐርቡ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ክንገብሮ ዝግብኣና ጥንቃቐ ዝምልከት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣቕሪብና: https://t.me/ethiopiacheck/1967
– ብሰንኪ ስእልታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝምዕብል ዘሎ ስግኣት ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን መፍለዪ መገዲታትን ዝምልከት ጽሑፍ እውን ብቋንቀታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ኣቕሪብና:
https://t.me/ethiopiacheck/1968
https://t.me/ethiopiacheck/1969
https://t.me/ethiopiacheck/1970
– ብሽም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተመሳሲሎም ዝተኸፍቱ ናይ ፌስቡክ ገጻት እውን ኣቃሊዕና:
https://t.me/ethiopiacheck/1971
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::