ትኽክለኛ ስእሊ ካብቲ ተመስሪሑ ዝቐርብ ብኸመይ ተለልዩዎ?

ways to tell if an image has been photoshopped

23 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኵሉ ኣብ ኦንላይን እንሪኦ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንረኽቦ ነገራት ክንኣምኖ ንጽገም ኢና ዘለና።

እቲ መዓልታዊ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንምርካብ እንጥቀመሉ ኢንተርነት፡ ንዋዛ ሓሓሊፉ ድማ ሰባት ንምግጋይ ብዝብል “ብዝተተናኸፉ” ስእልታት ዘዕለቕለቐ እዩ።

ሓደ ስእሊ ንምቅይያር ወይ ንምምስራሕ ዝውዕሉ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ብቐሊሉ ክቕየርን ንዘይተሓስበሉ ዕላማ ክውዕልን ይኽእል።

እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስእሎም ንኻልኦት ምኽንያታት ክውዕል ዝርእዩ ሰባት ካብ ዘሕድሮ ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ብዝሰገረ ልዑል መጠን ዝርግሐ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ክህሉ ጽልዋ የሕድር።

እዚኦም፡ ብፍላይ ጐንጽን ዘይምርግጋእን ኣብ ዝህልወሉ ግዜን ኵነታትን ብብዝሒ ክርኣዩ እንከለው፡ ንዕኡ ስዒቦም ድሕሪ ዝመጽኡ ቅልውላዋት ኣብ ዝኽሰትሉ እዋን’ውን ቐጺሎም ክርኣዩ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይእመን።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ክልላዊ መዓልቲ ሓዘንን ስነ ስርዓት መርድእን ብዙሓት ስድራቤታት ግዳያት ኰይኖም ኣብ ሓዘን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ስእሊ ገለ ውልቀሰባት ባነር ገለ ገዳያት ንምስራሕ ኣብ ዝውዓሉ ስእልታት ብፎቶሾፕ ምትዕርራይ ተገይርሉ ተሓቲሙ ከም ዝረኸቡዎም ክገልጹ ተራእዮም ነይሮም።

ኣብዚ፡ ዋላ’ውን እቲ ሃቐነ ሰባት ንምግጋይ ዝብል እንተዘይኰነ፡ ንኽብሪ ክልቲኡ ወገን ዝጐድእን ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ዘውርድን ከም ዝዀነ ክገልጹ ተዓዚብና ኢና።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ካልእ ሃገር ወይ ከባቢ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ኣብ ከባቢኹም ወይ ሃገርኩም ከም ዝዀነ ክመስሉ ተገይሮም ዝቐርቡ ልዑል ሓደጋ መጥቃዕትን ጐንጽን ከስዕቡ ዝኽእሉ ስእልታት ኣብ እትጥቀሙሎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዓዚብኩም ትዀኑ ኢኹም።

ንምዃኑ እዞም ተመስሪሖም ዝቐርቡ ስእልታት ብቐሊሉ ምልላይ ይክኣል’ዶ?

እቲ መልሲ እወ ይክኣል ዝብል’ዩ። ሓሓሊፉ ስቕ ኢሉ ልክዕ ዘይመስል ስእሊ ክንርኢ ንኽእል።

ስለዚ፡ መጀመርታ ጫፋት፣ ክሳድ፣ እግሪ ወይ ኢድ እቲ ስእሊ ዝዓረፈሎም ቦታታት ብምርኣይ ጥራይ ልክዕ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ከነስተብህለሉ ንኽእል ኢና።

ሓደ ስእሊ፡ ክተናኸፍ ወይ ኤዲት ክግበር እንከሎ ናይ ቀለም ለውጢ ስለ ዘምጽእ ንዕኡ ልቢ ኢልካ ምዕዛብ፣ ጽላሎት እቲ ስእሊ ብምርኣይ መበቈል እቲ ስእሊ ምፍላጥ ይክኣል’ዩ።

ንኣብነት፡ ሓሓሊፉ ኣቕሓ ፈጺሙ ጽላሎት ክገድፍ ኣይኽእልን፤ ብተወሳኺ ሓደ ስእሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ እንተተወሲዱ ኣብ ዕራርቦ ዘላ ጸሓይ ዝያዳ ካብቲ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዝነውሐ ጽላሎት ክህልዎ እያ ትገብር።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ተወሳኺ መረዳእታታት ሓደ ስእሊ ክህቡና ዝኽእሉ ብቐሊሉ ኣብ ኦንላይን ዝርከቡ መገዲታት መረጋገጺ ስእሊ ኣለው’ዮም።

እቲ ሓደ፡ ‘EXIF data’ ናይቲ ስእሊ ምርግጋጽ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ከም ሌንስ እቲ ካሜራ፣ ሜታ ዳታ እቲ ስእሊ ዝተወስደሉን ምስኡ ዝተኸዘነን ሓበሬታን ካልኦት ዝርዝራትን ክህበና ይኽእል።

ብዙሓት ዝመርጹዎን ዝተተናኸፉ ስእልታት ብቐሊሉ ንምፍላይ ዝሕግዝን መሳርሒ ፎቶፎረንሲክስ ከምኡ’ውን ኢሜጅ ኤዲት ብምጥቃም ምንጪ ሓደ ዘጠራጠረኩም ስእሊ ምርግጋጽ ትኽእሉ።

ንኣብነት ናብ ‘imageedited’ እንተኣቲኹም፡ እቲ ስእሊ ኤዲት ዝተገብረ እንተዀይኑ –‘ምናልባት’፣ ‘እወ፣ እንተዘይኰይኑ ድማ ‘ኣይፋል’ ዝብል መበገሲ ገምጋም ካብ ምሃብ ብዝሰገረ፡ ዝርዝር ምንጪ እቲ ስእሊ ተናዂፎምዎ ክዀኑ ዝኽእሉ ሶፍትዌራት፣ እቲ ስእሊ ዝተወሰደሉ ሃገርን ዝስኣሎ ሰብ ዘረጋግጽ ሓበሬታ እንተሎን ይህብ።

ፎቶፎረንሲክስ ድማ፡ እቲ ክጻረየልኩም ዝሃብኩምዎ ስእሊ ዝተተናኸፈ እንተዀይኑ፡ ኣብቲ ዝተተናኸፈሉ ቦታ ድሙቅ ሕብርታት ዘርኢ ኰይኑ፡ ዘይተተናኸፈ ስእሊ እንተዀይኑ ግን ጻዕዳ፣ ጸሊም ወይ ሓሙኽሽታይ ሕብሪ የርኢ።

ነዞም ቀለልቲ ኣገባባት ምጽራይ ስእሊ ብምጥቃም፡ ትኽክለኛን ቅኑዕን ሓበሬታ ምርካብ ይክኣል።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::