ናይ ምትላል ድረ ገጻት እንታይ እዮም? እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና?

Beware of scam pages that can exploit your money and private information

7 መጋቢት 2015 ዓ.ም

ብሽም እትግልገልሉ ሓደ ዓብዪ ትካል፣ ናይ ኦንላይን ዕዳጋታት ወይ ትካላት መንግስቲ ዓበይቲ ሽልማታትን ውህብቶታትን ከም ዘዳለው ዝገልጹ መልእኽታት’ዶ በጺሖምኩም ይፈልጡ?

ዝተፈላለዩ መላግቦታት ናይ ኦንላይ ዕዳጋታት ከምኡ’ውን ዕዳጋታት ክሪፕቶካረንሲ ሓቃውነቶም ክሳብ ክንደይ ትርድኡዎ?

ወይ’ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ውጽኢታዊ እትዀንሉ ዕድላት ስራሕ ከም ዘለዎም፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም እትረኽቡ ቃል ዝኣትውልኩም ድረ ገጻት ብቴሌግራምን ካልኦት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ መለዋወጢ መተግበሪታትን ተላኢኹም ወይ ኣብ ፌስቡክ ገጽኩም ክዘውር ርኢኹም ትዀኑ።

እዞም መልእኽታት ኣብ ውሽጦም ዝተፈላለዩ መላግቦታት (Links) ዝሓዙን ናብኦም ክትኣትውንከ ሓቲቶምኩም ይፈልጡ’ዶ?

እዚኦም ግን ናይ ምትላል ድረ ገጻት ክዀኑ ተኽእሎ ኣለዎም’ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ድረ ገጻት ዘይሕጋዊ ገጻት ኢንተርነት ዝብሃሉ ኰይኖም ንተጠቀምቲ ንምትላል ወይ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለሙ’ዮም።

መታለልቲ ሓቀኛ መንነቶም ብምሕባእ ናይ ሓሶት መጠንቀቕታታት ድሕነትን ናይ ምልኣኽን ካልእ ሕጋዊ ጦብላሕታ ዝፈጥሩ ነገራትን ናይ ምጥቃም ዝንባለ ኣለዎም።

እዞም መርበባት ሓበሬታ ካብ ስርቂ መንነት ክሳብ ምትላል ገንዘብ (ናይ ባንኪ ሕሳብ) ዝበጽሑ ፈተነታት ይገብሩ’ዮም።

ናይ ምትላል መርበባት ሓበሬታ ብፍላይ ምስ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ብኣዝዩ ሰሓቢ ኣቀራርባ ካብ መደናገርቲ ሓበሬታታት ክሳብ ዓበይቲ ተስፋታት ዝህቡ ሽልማት ይጥቀሙ።

ይኹን’ምበር እቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ዳርጋ ኩሉ ግዜ ሓደ እዩ፤ ውልቃዊ ወይ ፋይናንሳዊ ሓበሬታኻ ክትህቦም ምግባር።

ናይ ምትላል መርበብ ሓበሬታ ብኸመይ ይምዝምዘካ?

ተመራመርቲ ባህርያት ደቂ ሰባት ኣጋጣሚ ኰይኑ መብዛሕትና ንዝዀነ ነገር ብቐሊሉ ኣመንቲ ኢና ይብሉ። እቶም መታለልቲ ክኣ ኣብ “ስነ ልቦናዊ ምዝመዛታት” ይምርኮዙ።

እዚ ማለት ስምዒትታዊ ምትላል (emotional manipulation) ክህሉ ብምግባር ነቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምጥርጣር ባህርያትና ክንዝንግዕ ይገብሩ።

ገሊኦም ድማ ሕጋውያንን እሙናትን መርበባት ሓበሬታ ክመስሉ ብዘኽእሎም መገዲ ዝተዳለው ስለ ዝዀኑ ነቲ በሰር ንምፍላይ ክትጽገም ይገብሩኻ።

እንተዀነ፡ እዞም ንምትላል ዝዳለው መርበባት ሓበሬታ ወትሩ ጽቡቕ ኣሰራርሓ ስለ ዘይብሎም ብጥንቃቐ እንተኣስተብሂልናሎም ክቃልዑ ዝኽእሉ እዮም።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ንነብስኻን ዋሌትኻን ክትከላኸለሉ እትኽእል ሓያሎ ቀለልቲ መገድታት ኣለዉ።

  1. ስምዒታዊ ቋንቋ፦ እቲ መርበብ ሓበሬታ ስምዒታትካ ክገዝእ ዝኽእል ኣቀራርባ’ዶ ኣለዎ? ክትሃጹ ወይ ክትፈርሑ እንተገይርኩም ክኣ ጥንቃቐ ግበሩ።
  2. ድኹም ቅዲ፦ እቲ ዌብሳይት ዝተሰርሓሉ መገዲ ልቢ ኢልኩም ኣስተብህሉ። ካብ ሕጋዊ መርበብ ሓበሬታ እትጽበዮ ዓይነት ብቕዓት ቅድን ጽሬትን’ዶ ኣለዎ? ጽሬትን ኣቀማምጣን ዝተጠቕሞም ምስልታት ትሑት እንተዀይኑ ምልክታት ምትላል ክዀኑ ይኽእሉ።
  3. ዘይተለምደ ሰዋስው፡- ከም ስሕተት ኣወዳድቓ ቃላት፣ ድኹም ኢንግሊዝኛ ወይ ናይ ብሓቂ ርኡይ ጌጋታት ሰዋስው እንተሃልዮም ኣስተውዕል።
  4. መለለዪ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ዘይምህላው፦ ብተወሳኺ፡ ግቡእ ናይ ንግዲ መርበብ ሓበሬታ ከም “ርኸቡና”፣ “ብዛዕባና” ዝብሉ ገጻት ክህልውዎ ይግባእ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ምትላል መርበብ ሓበሬታታት ኣብ ዝከታተሉ መርበባት ሓበሬታ Scam Advisor ከምኡ’ውን Scam Detector ብምእታው ብዛዕባ እቲ ዝመጽኣኩም መርበብ ሓበሬታ ክተጻርዩ ጽዓሩ።

https://www.scamadviser.com/check-website/fias777.com

https://www.scam-detector.com/validator/fias777-com-review/

እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብር ኣለኒ?

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መልእኽቲ ብመልክዕ ሽልማት ወይ ዕድመ ብፌስቡክ፣ ቴሌግራም ከምኡ’ውን ኢሜይል ክበጽሐና ይኽእል። ትሕዝቶኦም ኣዕሚቕና ዘይንፈልጦም መልእኽታት ዘይምኽፋት ናይ መጀመርታ ስጉምቲ’ዩ።

ብፍላይ ግን እቶም መታለልቲ ዝተፈላለዩ ውልቃዊ ሓበሬታታት ክንህቦም ዝሓቱ እንተዀይኖም ኣቐዲምና ነቲ መላግቦ ብምርኣይ ካብቲ ትኽክለኛ ትካል ዝተላእኸ ብዛዕባ ምዃኑ ከነጻሪ ይግባእ።

መዘኻኸሪ፡ ሓበሬታ ከነእቱ ዝሓቱ ናይ ምዝገባ ቅጥዕታት፣ ዘይተማልአ ናይ ‘log in’ ገጻት ከጋጥሙኹም እንከለው ከየረጋገጽኩም መረዳእታ ካብ ምሃብ ተቈጠቡ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::