ትግራይ፡ ወንጌላውያን ኣመንቲ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦትን የጋጥሞም ኣሎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ እንታይ’ዩ?

12 ሓምለ፣ 2016 .

ብሰኑይ፡ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲን ቤተ እምነታትን ወንጌላውያን፡ ይበፅሕ ኣሎ ዝበሎ መጥቃዕቲታት ደው ክብል ሓቲቱ’ዩ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ንብረት ወንጌላውያን ኣመንቲ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክዅነን ኣለዎ ክብሉ ተራእዮም’ዮም።

ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሃይማኖት ፈሊኻ ንሰዓብቲ ምንእኣስ፡ ክሽቑረሩ ምግባር ዝኣመሰሉ ዝንባለታት ይርኣዩ ከም ዘለው ዝገልፁ እዞም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኰነ ኢልካ ኣብ ልዕሊኦም ይኹን ኣብ ዘምልኹሉ ቦታታት ምጥቃዕ ደው ክብል ዘለዎ ተግባር’ዩ ይብሉ።

ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝመሓላለፉ ዘረባታት ፅልኣት ወሲኾም ከም ዝተራእዩ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ8 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝዘርግሖ ደብዳበ’ውን፡ እዚዞም “ናብ ተግባር ዝተቐየሩ ፍጻመታት መጥቃዕቲ” ክስዕቡ ከም ዝገበረ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ድማ፡ “ብ29 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም፡ ምሸት ሰዓት 3፡30 መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ፣ ኣብታርን ብረትን ዝሓዙ ውልቀሰባት ናብ መንበሪ ኣባይቲ መራሕቲ ኣመንቲ ወንጌል ብምኻድ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ” ፈቲኖም ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ እዞም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት “ንድሕነቶም ብዝብል” ንሰለስተ መዓልታት ኣብ መደብር ፖሊስ ክእሰሩ ከም ዝተገብረ ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ግን አመንቲ እታ ቤተክርስቲያን ብናጽነት ስነ ስርዓር ፀሎት ከየካይዱን ከይእከቡን ተገይሩ’ዩ ብምባል፡ ብ5 ሓምለ 2016 ዓ.ም፡ ኣብ መአከቢ ቦታ ቃለ ህይወት ቤተክርስቲያን ዝነበረ መዓጹ ዕንወት ከም ዝወረዶ ሓቢሩ።

እዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ትካላት ሃይማኖትን ኣካላት መንግስቲን እቲ ክልል ይሰርሕ ከም ዘሎ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንተርነት ዝግበር ጎስጓስ ዘረባታት ጽልኣትን ምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታን ብሕጊ የቕጽዕ’ዩ።

እዚ ብ2020 ዝጸደቐ ሕጊ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተኸተልቲ ዘለውም መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍኖ፡ ዝሕተም ወይ ዝዝርጋሕ ናይ ጽልኢ ዘረባ ወይ ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘ ትሕዝቶ፡ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርትን ኣስታት 100 ሽሕ ብር ከምዘቕፅዕ የብርህ።

እቲ ሕጊ ግን “ምዝርጋሕ” ካብ ዝብል ወፃኢ ከምዚኦም ኣብ ዝበሉ ትሕዝቶታት ላይክ ምግባር ወይ ኣብቲ ናትካ ገጽ ‘ታግ’ ተገይሩ ምምፅኡ ከም ዘሕትት ኣየጠቓልልን።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::