ብዛዕባ ብምድቓል ድምጺ ኤኣይ ዝፍጸሙ ምትላላት ክትገብሩዎ ዝግባእ ጥንቃቐ

what you have to know about AI voice cloning scams

10 መስከረም 2017 ዓ.ም

ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤኣይ) ካብ ኢሜይላት ምጽሓፍ ጀሚሩ ክሳብ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ዝበሃሉ ስራሕቲ ክሰርሕ ብምኽኣሉ ንኹለመዳያዊ ህይወት ሰባት ይቕይር’ዩ ዘሎ። ካብ ምጽሓፍ ወጻእ ዘረባ ሰባት ዝመልካ ሮቦታት ብዝተፈላለዩ መልክዑ ይፈርያ’የን ዘለዋ።

ድምጺ ሰብ ዘለዎም ሮቦታት ሓደሽቲ ከም ዘይኮኑ ይፍለጥ። ንኣብነት ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓ 2011 ዓ.ም ኣፕል ‘ሲሪ’ ዝተባህለት ሮቦት ምሂዙ ሰባት ኣብ ዝጥቀሙለን ቴሌፎናት ጽዒኑ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ኣይፎን ‘ሲሪ ናብ ኣደይ ደውሊ’፣ ‘ናይ . . . ሙዚቃ ክፈትለይ’ ክብሉ ምስማዕ ልሙድ’ዩ። ሕጂ ሰባት ስግኣት ክሓድሮም ዝገብር ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ግን ድምጾም ብኤኣይ ተዳቒሉ ግዳያት ምትላል ይኾኑ ምህላዎም’ዩ።

እዚ ድማ እቶም መዓልታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት እነካፍሎም ድምጽና ዝሓዙ ቪድዮታትን ብቐሊሉ ግዳያት ክንኸውን ምኽንያት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እዚ ‘ኤኣይ ቮይስ-ክሎኒንግ ስካምስ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምትላል ኮይኑ ገበነኛታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተጠቒሞም ናይ ሰባት ድምጺ ብምድጋም ወይ እዞም ሰባት ናይ ዝኣምኑዎም ውልቀሰባትን ትካላትን ድምጺ ብምምስራሕ ካብቲ ዒላማ ክኸውን ዝተሓስበ ሰብ ኣዝዩ ተዃሳሒ ዝበሃል ውልቃዊ ሓበሬታታት ይወስዱ ወይ ገንዘብ ክሰዱሎም ይገብሩ።

እዚ ዓይነት ምትላል እንታይ’ዩ?

ኣብዚ እዋን ዝኾነ ብኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ዳርጋ የለውን ክብሃል ይክኣል።

ነዞም መድረኻት ብምጥቃም መዓልታዊ ሰባት ዝፈጥሩዎምን ኣብ ኢንተርነት ዘካፍሉዎም መረዳእታታትን ሓበሬታታን ማእለያ የብሎምን።

ሕጂ’ውን ፌስቡክ ካብቶም ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ዝለዓለ ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም መዓልታዊ ልዕሊ ሰለስተ ቢሊየን ሰባት ነዚ መድረኽ ይጥቀሙ።

ካልኦት ድምጽን ምስልን ዝሓወሱ ምክፋል ሓበሬታታት ዝርኣየሎም ከም ኢንስተግራምን ቲክቶክን ዝበሉ ማሕበራዊ ሚዲያታት’ውን ዘይነዓቕ ብዝሒ ተጠቃሚ ምህላው ይፍለጥ።

ኣብ ኢንስተግራም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም መዓልታዊ 95 ሚሊዮን ስእልን ምስልን፤ ኣብ ቲክቶክ ድማ 34 ሚሊዮን ቪድዮታት ከም ዝጥቅዑ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት የመልክቱ።

ካብዚ ብዝሰገረ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስ ኣባላት ስድርኦም፣ መሓዙቶም፣ መሳርሕቶምን ካልኦትን ኣብ ዝገብሩዎም ርክባት ናይ ድምጺ መልእኽታት ከም ዝለዋወጡ ይፍለጥ።

ተጠቀምቲ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝኾኑ ሰባት ብፍላይ ድምጾምን ምስሎምን ዝሓውስ ትሕዝቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከካፍሉ ከለው መበገሲኦም ሓሳቦም፣ ተሞክሮኦምን ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ዘለዎም ትዕዝብትን ንሰዓብቶምን መሓዙቶምን ንምክፋል ካብ ዝብል ዝነቅል ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።

ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ጎናዊ ሳዕቤን ከምጽኡ ንዝኽእሉ ተግባራት ይውዕሉ ብምህላዎም እዞም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እንጥቅዖም ቪድዮታትን ድምጺታትን ኣንጻር ረብሓና ክውዕሉ ዝኽእሉሎም ኣጋጣሚታት ይሰፍሑ ከም ዘለው ንዕዘብ።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣርቴቪሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ድምጺ ሰባት ብምድቓል (ክሎን ብምግባር) ዝፍጸም ዘሎ ምትላል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ገንዘብ ክሰዱ’ዮም ዝሕተቱ፤ እቲ ድምጺ ተሰኒዑ ምስ ተሰርሐ ብቐጥታ ናብቲ ግዳይ ዝኸውን ሰብ ብምድዋል ወይ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ብምስዳድ ድማ ዒላማ ይብሩዎ።

ወይ’ውን መጀመርታ ስልኪ ብምድዋል ድምጽኹም ክቐድሕኹም ይኽእሉ’ዮም።

ድምጺ ሓደ ሰብ ምምሳል ቀሊል’ኳ እንተኾነ ድምጺ ሰባት ብምድቓል ዝፍጸም ዘሎ ምትላል ግን እቶም ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ዝድገሙ ወይ ክመስሉ ዝግበሩ ዘለው ድምጺታት ግን ተዳቒሎምን መሲሎምን ይቐርቡ ከም ዘለው ንምፍላጦም ኣጸጋሚ ዝኾኑሉ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ልዑል ጥንቃቐ ይሓቱ።

ነዚ ምትላል ዝፍጽሙ ሰባት ናይ ሓደ ሰብ ብውሑድ 30 ካልኢታት ድምጺ ብምውሳድ ነቲ ክፍጽሙዎ ዝተለሙ ዓይነት ምትላል ብዝጥዕም መልክዑ ክዳሎ ብምግባር ኣደ ናብ ውላዳ ክትድውል ዘላ ክመስል ክገብሩ ይኽእሉ።

ቅድም ኢሉ ብሓጺር ናይ ፅሑፍ መልእኽትን ኢሜይላትን ዝፍጸሙ ምትላላት ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ብኤኣይ ድምጺ ብምድቓል ዝፍፀም ምትላል ሓቀኛ ሰባት ንምምሳል ዝጥቀሞ ዘሎ ናይ ድምጺ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዘመናዊ ብምዃኑ ዘይከም ካልኦት ምትላላት፡ ኣዝዩ ዘእምን ክመስል ስለ ዝኽእል፡ ነቲ ናይ ምትላል ባህሪ ናይቲ ጻውዒት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

እዚ ገንዘባዊ ኪሳራታት ከምኡ’ውን ውልቃዊ ተኣማንነትካ ክትስእን ይገብር።

ብኸመይ ነለልዮን ንከላኸሎን?

  • ዘይልሙድ ምቁራጽ ወይ ናይ ሮቦት ዝመስል ድምጺ እንተልዩ ምስትብሃል
  • ሃንደበት ውልቃዊ ወይ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ክትህቡ ንዝቐርበልኩም ሕቶታት ዘይምምላስ
  • መንነት እቲ ደዋሊ ምጽራይ
  • ህድእ ኢልካ እቲ ደዋሊ ኣብ ዝዛረቦም ነገራት ዘይተለምዱ ነገራት እንተልዮም ምስትብሃል
  • ነዚ ምስ ፈለጥኻ እቲ ቴሌፎን ብምዕጻው ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምድዋል፡ መሓዙትካን ስድራኻን ግዳያት ተመሳሳሊ ምትላል ከይኾኑ ክጥንቀቑ ምሕባርን እቲ ቁጽሪ ክትዓጽዎ (ብሎክ) ክትገብሮ ምፍታንን
  • ወትሩ ብስልኪ ውልቃዊ ዝረዝር ሓበሬታ ንዝሓቱ ጥንቃቐ ምግባር
  • ድምጽኹም ሪከርድ ገይርኩም ወይ ቀዲሕኹም እትሰዱሎም ሰባት ጥንቃቐ ምግባርን ኣብ ኦንላይን ውልቃዊ ሓበሬታኻ ዘይምጥቃዕን
  • ድምጺ ቀዲሕኻ ምስዳድ ኣብ ዝሓቱ ‘ቻሌንጅ’ ዝዓይነቶም ምንቅስቓሳት ዘይምስታፍን

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::