ቀንዲ ምንጪ ግጉይ ሓበሬታ እንመን’ዮም? ስለምንታይ’ከ ቀልጢፍና ንኣምኖም?
13 መስከረም 2017 ዓ.ም
ኣብዚ ዓመት ፎረም ቁጠባ ዓለም ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ውጽኢት ሃገራዊ መረጻታት፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዘይምርግጋእ ከሕድሮ ብዝኽእል ፅልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ሓፂር እዋን ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ስግኣት እዩ ኢሉ ነይሩ።
ግጉይ ሓበሬታ ርጡብነት ትሕዝቶ ዘየማልእ ኮይኑ ብፅሑፍን ብቃልን ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክባፃሕ ዝፀንሐን ዘሎን እዩ።
እዚ ኣካል ዝተፈላለየ ክፋል ሕብረተሰብ ኮይኑ እኳ እንተፀንሐ ምስፋሕ ዝርግሐ ኢንተርነት ግን ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ግጉይ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ሰባት ከባጽሓሉ ዝኽእል ዕድላት ሂቡዎ’ዩ።
ገገሊኦም ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፅኡ ግጉያት ሓበሬታታት ናይ ሓሶት ምዃኖም ንምርግጋፅ ዘፀግሙ ኮይኖም ዝርኣይሉ ግዜያት ኣሎ’ዩ።
እዚ ድማ ገገሊኦም ሓበሬታታት ብመልክዕ ዋዛ፣ ካብ ‘ፈላጢ ውሽጢ ዝተረኸበ’ ሚስጥራዊ ዘረባ ብዝብሉ መገዲታት ዝጥቅዑ ብምዃኖም ተጠቀምቲ ነቲ ዘለዎም ክፍተት ሓበሬታ ዝመልእ መሲሉ ክረኽቡዎ ከለው ንክኣምኑዎም ይግደዱ’ዮም።
እዞም ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት (ፌስቡክ፣ ዩትዩብ፣ ቲክቶክን ካልኦትን) እትረኽቡዎም ትሕዝቶታት ከስሕቑኹም ወይ’ውን ከገርህኹም ይኽእሉ’ዮም።
ይኹን’ምበር ነቲ ክውንነት እትርእይሉ መንገዲ ወይ ኣተሓሳስባኹም ባህሪያትኹም ዝፀልው ክኾኑ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ምንጪ ግጉይ ሓበሬታታት ኣዝዮም ብዙሓት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ንምዃኑ ካበይ’ዩ ዝመጽእ ኢልኩም ትሓቱ ትዀኑ። ንገሊኦም ክንሕብረኩም።
- ወግዓዊ ምንጪታት ፕሮፖጋንዳ
መንግስታትን ፖለቲካዊ ተዋሳእትን ዝደልዩዎ ኣጀንዳ ንምስራጽ ህዝቢ ዘደናግሩ ወይ ዘታልሉ ቴክኒካት ክትጥቀሙ ፀኒሖም’ዮም።
እዚኦም ኣብ ዝኾነ እዋን ክገብሩዎ ንዝደልዩ ወይ ንመነሓንሕቶም ዝኾነ ወገን ንምድኻም ወይ ቅቡልነት ንምስኣን ኣብ ዝደልይሉ እዋን ሰባት ጭብጢ ክረኽቡሎም ዘይኽእሉ ሓበሬታታት ኮነ ኢሎም ክውዝዑ ይኽእሉ።
- ኣክቲቪስታትን ፀለውቲ ሰባትን
ልሙድ ምንጪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ብዋዛ ሓበሬታ ዝውዝዑ ሰባት ብቐሊሉ ናብ ብዙሓት ዝበፅሑ ምዃኖም’ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሰባት ኣብ ክንዲ ንጋዜጠኛታት ወይ ሚዲያ ዝያዳ ንመሓዙቶምን መቕርቦም ዝኾነ ሰብን ክኣምኑ’ዮም ዝመርፁ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ኣየጻርዩን። ግጉይ ሓበሬታ ዝኾነ ሓበሬታ ንውልቃዊ ወይ ፖለቲካዊ ከስቢ ብዝብል ካብ ዓውዲ ወጻእ ብምውሳድ ይፍፀም።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣካታዕቲ ጉዳያት ጥዕና፣ ጎንፂን መረጻታትን ኣብ ዝህልውሉ እዋን ብሰፊሑ ክርኣይ ይክእል። ኣብዚ ኣክቲቪስታትን ፀለውቲ ዝበሃሉ ሰባትን ልዑል ተራ ኣለዎም።
እዚኦም እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ነገር ካብቲ ዝተብሃለሉ መድረኽ ወፃእ ብምውሳድ ነቲ ዝደለዩዎ ዓላመ የውዕሉዎ።
- ስኑዓት ድረ ገፃት
ሰባት ግጉይ ወይ ስኑዕ ሓበሬታ ስለዝኣመንሉ ጥራይ ኣየካፍሉዎን።
ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምድፋእ፣ ክትዓት ንምልዓል፣ ማሕበራዊ ቅቡልነት ንምርካብ ወይ ካብ ሰባት ስምዒታዊ መልሲ ንምርካብ፣ ዕግርግር ንምፍጣር ወይ ንኻልኦት ንምስሓቕ ብዝብል ክውዝዑ ይኽእሉ እዮም።
እዚኦም ብናይ ሓሶት ድረገጻት ኣቢሎም ክዝርግሑ ልሙድ እዩ።
እዚኦም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎም ስግኣታት፣ ድልየታትን ባህግን ተበሊፆም ዝውዝዑ ሓበሬታት ክኾኑ ይኽእሉ።
ሰባት ንግጉይ ሓበሬታ ዝኣምንሉ ምኽንያት
ኣብ 2023 ኢንስቲትዩር ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ብዙሓት ሰባት ግጉይ ሓበሬታ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ የመልክት።
ከም ፀብፃብ እቲ ኢንስቲትዩት እንተኾይኑ ልዕሊ ፍርቂ (56 ሚኢታዊት) ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዜና ክኸውን ከሎ ሓቃዊ ሓበሬታ ካብቲ ስኑዕ ንምፍላይ ከም ዝፅገሙ ይገልፅ።
- ምስ ዝጸንሐ እምነቶም ሓቢሩ ዝኸይድ ክኸውን እንከሎ
- ስምዒቶም ዝቕስቕስ ክኸውን እንከሎ፤ ሓደ ትሕዝቶ ብብዝሒ ሼርን ላይክን ክግበር እንከሎ ይጸልዎም
- ብዝኣምኑዎም ሰባት (ከም ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ወይ ኣባላት ሕብረሰተሰቦም) ሼር ተገይሩ ክርእዩ ከለው
- ብተደጋጋሚ ነቲ ሓበሬታ እቲ ዝቃልዑ እንተኾይኖም
- ኣብ ገለ ትካላት ዝነበሮም እምነት እንተጎዲሉ (መንግስቲ፣ ፖሊስ ወይ ሚዲያ) ብቐሊሉ ንግጉይ ሓበሬታ ይኣምኑ።
ብተወሳኺ ጭንቀትን ቁጥዐን ክህሉ ከሎ’ውን ጥንቃቐ ዝተመልኦ ኣተሓሳስባ ስለዝንኪ ሰባት ምስቲ ዝፀንሐ እምነቶም ዝመሳሰል ሓበሬታ ክረኽቡ ኣብ ዝደልይሉ እዋን ብቐሊሉ ግጉይ ሓበሬታ ንምእማን ይግደዱ።
እዚ ግን ርጡብ ሓበሬታ ናይ ምፍላይ ዓቕምኻ ዝድርት ክኸውን ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ኣብ ባህርያትካ፣ ጥዕናኻ፣ ቁጠባዊ ዓቕምታትኻ ሃሰያ ስለዘውርድ መዓልታዊ ንእትቕበሎም ሓበሬታታት ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክኸውን ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::