ስለ ምንታይ ኢና ቀልጢፍና ንግጉይ ሓበሬታ ንኣምን? ጽልዋኡ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል?
27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
ግጉይ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ ዜና፣ ትንታነታት ውዲት፣ ጎስጓሳት ስኑዕ ሓበሬታ፣ ፕሮፖጋንዳን ከጠቓልል ይኽእል።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለው ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ድማ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓያሎ ርጡብነት ዘይብሎም ሓበሬታታት እንዕዘበሉ መድረኽ ክኸውን ገይሮምዎ ይርከቡ።
ብፍላይ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጽግዒ ዘለዎም ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽልዋን ቕቡልነትን እቲ ዝድግፉዎ ወገን ንምዕባይ ግጉይ ሓበሬታ ምውዛዕ ከም ስትራቴጂ ክጥቀምሉ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ክንረክብ ከለና ቅኑዕነት እቲ ሓበሬታ ኣብ ምግምጋም ዘይኮነ ነቲ ሓበሬታ ንምርዳእን ድሕሪኡ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብልን ኢና ንሓስብ ወይ ቐዳምነት ስለ እንህብ ግጉይ ሓበሬታ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይእመን።
ሰባት ንስኑዕ ወይ ግጉይ ሓበሬታ ንምእማንን ንምቕባልን ዝህልዎም ተቓላዕነት ድማ ኣብ ስሩዕ ሚዲያ ዘለዎም እምነት ክትሕት ከሎን ናተይ ወገን ዝብሉዎ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ልዑል ክኸውን ከሎን ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ካብ ስግኣታት ግጉይ ሓበሬታ ክኣ ሰባት ኣብ ዴሞክራሲያዊ ትካላት እምነት ክስእኑ ምግባር እቲ ሓደ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢኻ ወይ ሃገርኻ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ሰባት ርጡብን ተኣማንን ሓበሬታ እኳ እንተብሃጉ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ግን ኣብ ስሩዕ ሚዲያታት ዘለዎም እምነት ክንኪ ምኽንያት’ዩ ዝኸውን።
እዚ ረቛሒታት ቅኑዕ ሓበሬታ ዘይኽተል፣ ዝኾነ ሸቶ ንምህራም ኮነ ተባሂሉ ዝውዛዕ ብምዃኑ ነዚ በብግዝኡ ከም ምንጪ ሓበሬታ ገይሮም ዝወስዱ ሰባት ዝተፈላለየ ግጉይ ፖለቲካዊ ርዲኢታት እዮም ዘማዕብሉ። እዚ ድማ ንባህሪኦምን ውሳነታቶም ክጸሉ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።
ግጉይ ሓበሬታ ምዃኑ እናፈለጡ’ውን እንተኾነ ፖለቲካዊ ጸግዖም ንክፍለጥ፣ ተቓወምቲ ዝብሉዎም ሰባት ንምጽባእ ወይ ማሕበራዊ ቕቡልነት ንምርካብ ብዝብል ጥራይ ከካፍሉዎ ይኽእሉ። እዚ ምስ ስነልቦናዊ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ኣብዚ ዙርያ ዝተገብሩ ዳህሳሳት ይሕብሩ።
እቲ ግጉይ ሓበሬታ ንዓርሶም ኣካል ገይሮም ካብ ዝቘጽርሉ ጉጅለ ክመጽእ ከሎ ይኣምኑዎ።
እዞም ሓበሬታታት ብፍላይ ንኸም ፍርሒ ወይ ቁጥዐ ዝበሉ ዝስምዒታቶም ዝገዝኡ ኮይኖም ክረኽቡዎም ከለው ይኣምኑዎምን ይቕበሉዎምን።
በዚ መሰረት ሰባት ምስ ውልቃዊ መንነቶም ወይ ኣተሓሳስብኦም ዝዛመድ ኮይኑ ዝረኸቡዎ ግጉይ ሓበሬታ ንስምዒታቶም ዝገዝእ ኮይኑ ስለ ዝረኽቡዎ ብቐሊሉ ይቕበሉዎን ናብ ካልኦት ክባጻሕ ይገብሩወን።
ይኹን’ምበር ግጉይ ሓበሬታ ንስነ ኣእምሮኣዊን ማሕበራውን ጥዕና ዝጎድእ ብምዃኑ ከነወግዶን ክንከላኸሎን ይግባእ።
ነዚ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መገዲታት ክህልው ከለው፡ ግጉይ ሓበሬታ ንምፍላይ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂካዊ ኣገባባት ብምጥቃም ናይ ምቅላዕ ዓቕሚታትኻ ብምዕባይ፣ እሙናት ምንጪታት ሓበሬታ ብምውካስ ጽልዋኡ ምንካይ ይክኣል።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::