ረብሓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እንገብሮም ዝርርባት ምቑሉላትን ትሕትና ዝተላበሱን ክኾኑ ምግባር እንታይ’ዩ?
6 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መዓልታዊ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ማእለያ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ ውልቃውን ፖለቲካውን ሓሳባትን ርኢይቶታትን ዝወሃበሎም መድረኻት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።
እዞም ከም ፌስቡክ፣ ኤክስ፣ ቴሌግራም ዝበሉ ማሕበራዊ መድረኻት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ፣ ድልየት፣ ግንዛበን ጠለብን ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ዝራኸቡሎም ዕድላት ካብ ምፍጣሮም ብዝሰገረ ብቐሊሉ ዝረዳድኡሎም ኢሉ’ውን ዝጓነጹሎም ሓያሎ ጉዳያት ክህልው ከም ዝኽእሉ’ውን ዝርኣየሎም ኮይኖም ኣለው።
ብተወሳኺ ግዜን ቦታን ወይ’ውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ደረጃ ብዘየገድስ ተራ ዜጋታት ብቐሊሉ ንሰበስልጣን፡ ከም ኣመሓደርቲ፣ ሚኒስተራት ወይ ወኪል መንግስቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካውንታቶም ኣቢሎም ንረብሓ ህዝቢ ዝምልከት ጉዳያት ወይ ሓሳባት ክገብሩ ከተሓሳስቡዎም፣ ብፖለቲካዊ መርገጺኦም ድማ ክድግፉዎም ወይ ክነቕፉዎም ኣኽኢሉዎም’ዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ሰባት ዝገብሩዎም ዝርርባትን ክትዓትን መሰረት ዝገበረ ጽልዋታት ከም ዝህሉ ዘረጋግጹ ከም “ላይክ”፣ “ብሎክ” ዝበሉ ገምጋም ተጠቀምቲ እንታይ ከም ዝመስል ዘንጸባርቑ፣ ባህሪያት ተጠቀምቲ እንታይ ይመስል ከም ዘሎ ክትግንዘብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ዘለዎም ብምዃኖም ብፍላይ ርሱን ፖለቲካዊ ክትዓትን ኣፈላላያትን ኣብ ዝስትብሃለሎም ግዜያት ባህሪን ውሳኔታትን ሰባት ብኸመይ ይጽሎ ከም ዘሎ ንምርዳእ ይሕግዙና።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ብዙሓት ስምዒት ዝተሓወሶም፣ ርትዓዊ ዘይኮኑ፣ መንነትን ክብርን ውልቀሰባትን ማሕበረሰብን ዘጸልሙ፣ ሓደ ነቲ ካልእ ኣትሕት ኣቢሉ ክርኣይ ዝገብሩን ዝንቡዓት ዝኾኑን ሓሳባት ይመጽኡ’ዮም።
ኣብዚ ዙርያ መጽናዕቲ ዝገበሩ ሙሁራት ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እንገብሮም ዝርርባት ትሕትናን ምቑሉልነትን ኣጠቓቕማ ቋንቋ ከም ዝጠልብ ከነስተብህል ይግባእ ይብሉ።
ናይዚ ሓደ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ብኹሉ ሸነኻት ዝወሃቡ ሓሳባት ጥዕና ዘለዎም ዝርርባት ክጉልብቱ ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ’ዩ። ብተወሳኺ ትሕትና ዝተላበሰ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ክህሉ ምግባር ዝሰፍሐ ትርጉም ዴሞክራስያዊ ዕላል ዘዕቢ ከም ዝኸውን ይገልጹ።
ካብዚ ብዝሰገረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበሩ ዝርርባት ካብቲ ብኣካል ገጽ ንገጽ እናተርኣኣዩ ዝገብሩዎም ዕላላት ኣዝዩ ዝተፈለየ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ዝፈጥሮ ጽልዋ ናብ ርሱንን ኣዝዩ ስምዒታዊ ኣንፈትን ከምርሕ ብምግባር ተሳትፎ ዝድርት ወይ ኣዕናዊ ሓሳባትን ርኢይቶታትን ክበዝሑ ዝኽእልሉ ኣጋጣሚታት ሰፊሕ ብምዃኑ’ዩ።
ብኻልእ ወገን ምቑልልን ትሕትና ዝተመልኦን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ምምዕባል ንኻልኦት ናይ ምእማን ዓቕምኻ ሓፍ ዝበለ ክኸውን ከም ዝገብር ይእመን።
እዱባት ዘይኮኑ ባህሪያት ዝንጸባረቖም ሓሳባት ምስቶም ምቑሉልነት ዘለዎም ክነጻጸሩ እንከለው ትሕትና ዝተላበሰ ኣቀራርባ ዘለዎም ሓሳባት ዝያዳ ዘእምኑን ሰባት ብቐሊሉ ዝዝክሩዎምን ክኾኑ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም።
ብፍላይ ኣብ ኦንላይን ዝግበር ዘይዱብ ኣቀራርባ ፖለቲካዊ ሓሳባት ድማ ዝያዳ ኣሉታዊ ግንዛበታት ክዓብዩ፣ ሰባት ኣጥቓዕቲ ወይ ዝያዳ ዓብላሊ ከምኡ’ውን ዘይእመኑ ኮይኖም ክረኣዩ ምኽንያት ይኾኑ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::