ዩቱብ ፖሊሲታቱ ንዝጥሕሱ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ስልጠና ምሃብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ

16 ነሐሴ 2015 ዓ.ም

  1. ዩትዩብ ፖሊሲታቱን መምርሕታቱን ንዝጥሕሱ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ስልጠና ምሃብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ስልጠና ዝወስዱ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ነቲ ፖሊሲን መትከላትን ጥሒሶም መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ስልጠና ስለ ምንታይ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦም ግንዛበ ክህልዎም ከም ዝገብር’ውን ተሓቢሩ። በዚ መንገዲ ስነ-ምግባር ፈጠርቲ ትሕዝቶ ንምምሕያሽን ቁጽሪ ዝዕጸው ቻነላት ንምንካይን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
  1. ጉግል ፈተነ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝተፈጥሩ ምስልታት ንምፍላይ ዝሕግዝ መሳርሒ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። ኣብ ጉዳይ ቴክኖሎጂ ጸብጻባት ዘቕርብ ቨርጅ እዚ ሲንትአይዲ (SynthID) ዝተባህለ መሳርሒ ብቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተፈጥሩ ምስልታት ብቐሊሉ ከለሊ ትጽቢት ከም ዝግበር ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ኢሜጅን (Imagen) ብዝተባህለ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ጉግል ዝፈረዩ ምስልታት ብምልላይ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ ይግለጽ።
  1. ቲክቶክ ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጽልዋ ምፍጣርን ይነጥፉ ነይሮም ዝበሎም 284 ኣካውንታት ከም ዝኣገደ ማዕከናት ዜና ዓለም ጸብጺበን። እቶም ኣካውንታት ኣብ ቻይና ዝመደበሮም ምዃኖም እውን ይጥቀስ። ቲክቶክ ኣብ ልዕሊ ኣካውንታት ቻይና ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘይተለምደ ምዃኑ’ውን ይግለጽ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቐረቡ ጸብጻባት፡

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ብማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ሓደገኛ ትሕዝቶታት ዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2156

– ኣብ ከተማ ደበረታቦር ዘሎ ጐንጺ ዘርእዩ’ዮም ብዝብል ዝተዘርግሑ ስእልታት ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2157

– ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ተማሪዅ ብዛዕባ ዝተባህለ ነፋሪት ከም ዘርእዩ ዝተገልጹ ምስልታት ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2158

– ብኻልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ንመሸጣ ዝቐረባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘርኢ መሲሉ ዝቐረበ ቪድዮ ክጻረ ገይርና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2161

https://t.me/ethiopiacheck/2162

https://t.me/ethiopiacheck/2163

– ኣቶ በቀለ ገርባ ዝምልከት ኦፌኮ ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ደብዳበ:

https://t.me/ethiopiacheck/2165

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::